በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስቴር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ገንዘብ መንግስቲ ምብዃና ተኣሚና

ሳራ ነታንያሁ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳራ ነታንያሁ

በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ሳራ ነታንያሁ፡ ገንዘብ መንግስቲ ብዘይ ኣገባብ ምጥቃማ ተኣሚና። 15 ሽሕ ዶላር ከም እትኽፍል ድማ ተገሊጹ።

ሳራ ነታንያሁ፡ ኣብ መንበሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣስቤዛ የለን ኢላ ብምትላል፡ 99,300 ዶላር ኣብ ደገ ወጻኢ ብምግባር ተኸሲሳ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምትላልን ምጉዳል እምነትን ምስተኸሰሰት፡ ጠበቓኣ እቲ ጉዳይ ምስኣ ዘራኽብ ከምዘይብሉን፡ ኮነ ተባሂሉ በዓልቤታ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝተኣለመ ውዲት ምዃኑ ገሊጹ'ዩ።

በቲ ሕዚ ዝተገብረ ስምምዕ ግና 12,490 ዶላር ክትመልስን፡ 2,777 ዶላር ቅጽዓት ክትከፍልን ተሰማሚዓ ኣላ።

ዓቃቢ ሕጊ ኤሪዝ ፓዳን ''ዓብዪ ሕድገት'' ከም ዝተገበረላን፡ በዚ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ 80 መሰኻኽር ካብ ምጽዋዕ ከም ዝድሓነን ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጠበቓ ሳራ ኔታንያሁ፡ ብዛዕባ መምርሒ ኣብ ደገ ዝግበር ወጻኢታት መግቢ ኣፍልጦ ከም ዘይነበራን እቲ ካብ ደገ ዝተኣዘዘ መግቢ ንኣጋይሽ ተባሂሉ በቲ ሓላፊ ዝተኣዘዘ ከም ዝኾነን ተኸራኺሩ እዩ።

በዓልቤታ ብወገኑ ''ጠንካራን ዝተኽበረትን፡ ምንም ግድፈት ዘይርከባ'' ክብል ነቲ ዝቐረባ ክሲ ውዱቕ ገይሩዎ ነይሩ።

ኣብ 2016 ሳራ ኔታንያሁ 'ጸሪፋትንን ኣጋፊዓትንን' ኢሉ ንዝኸሰሳ ሓላዊ ገዛ ነበር፡ 47 ሽሕ ዶላር ክኽፈሎ ቤት ፍርዲ ወሲኑ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ