መገዲ አየር ኢትዮጵያ፡ 'ፓይለታት ብምውዳቕ ቦይንግ 737 ተወቀስቲ ኣይኮኑን'

ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ሓዘና እትገልጽ ስድራ ግዳይ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኩሎም 157 ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ብምኽንያት ኣብ ቁጽሪ በረራ ኢቲ302 ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣብረርቲ ናይታ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝወደቐትን ህይወት 157 ዘጥፍአትን ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ ስሕተት ከም ዘይነበረ ናይቲ መገዲ ኣየር ዋና ፈጻሚ ስራሕ ተዛሪቡ።

ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ እቶም ፓይለታት ዝወሰድዎም ስጉምትታት ብዝምልከት ዝቐርቡ ነቐፌታታት "ብሓቂ ግጉይ ሓበሬታ" ክብል ተቓዊሙ።

ንሱ ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ፓይለታት ዝፈጸምዎም ስሕተታት፡ እቲ ሓደጋ ንኸጋጥም ምኽንያት ከም ዝኾኑ ስለዝተዛረበ እዩ።

ነፋሪት መጓዓዝያ ቦይንግ 737 ማክስ ካብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ-ኣዲስ ኣበባ ምስ ተበገሰት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ደቒቓ'ያ ወዲቓ።

ኣባል ኮንግረስ ሳም ግሬቭስ ኣብቲ ኮንግረስ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ "ሓቅታት ቅድመ ውጽኢት ምርመራ ከም ዘረጋግጽዎ፡ ፓይለታት ዝፈጸምዎ ስሕተት ከም ምኽንያት ይውሰድ" ኢሉ ነይሩ።

"ኣብ ኣሜሪካ ስልጠና ዝረኸቡ ፓይለታት እንተዝኾኑ ነይሮም፡ ነቲ ኩነታት ምተቖጻጸርዎ" ክብል'ውን ሓሳብ ሂቡ።

ኣይተ ተወልደ ነዚ ኣመልኪቱ፡ እቲ ኣባል ኮንግረስ "ኣብ ኢዱ ዝሓዞ ሓቅታት" የብሉን ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ውፅኢት ቅድመ ምርመራ "ፓይለታት ነቲ ኩሉ መምርሕታት ከም ዝተኸተሉ ብግልጺ ኣመልኪቱ እዩ" ክብል ገሊጹ።

"ኤም ካስ" ብዝብል ዝፍለጥ መቆጻጸሪ ስርዓት ንዝተወሰነ ኩነት ጥራሕ ግብረ-መልሲ ክህብ ተሓሲቡ ኣብታ ነፋሪት ዝተገጠመ ቴክኖሎጂ እዩ።

ይኹን'ምበር ኣብ ክልቲኡ ሓደጋታት [ቦይንግ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዢያ-ላየን ኤይርን] እቲ ቴክኖሎጂ ነተን ነፈርቲ ቁልቁል ኣፈን ደፊእወን።

ካብ ናይ ኣብረርቲ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይነን ድማ ቁልቁል ናብ መሬት ተተኺለን።

ቦይንግ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ መገዲ ኣየራት ኣብረርተን ብዛዕባ 'ኤም ካስ' ክግንዘቡን፡ ንሱ ንዘርእዮ ባህርያት ክወስድዎ ዝግባእ ስጉምትታትን ክፈልጡ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኣባል ኮንግረስ፡ ኣብረርቲ ነፋሪት ኢትዮጵያ ነዚ መምርሒ ክኽተሉ ብዘይምኽኣሎም እቲ ሓደጋ ምውዳቕ ከም ዘጋጠመ እምነቱ ገሊጹ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ምምሕዳር ፌደራል ኣቪየሸን ኣሜሪካ እውን ብተመሳሳሊ መርገጺ፡ ገለ ስጉምትታት ናይቶም ፓይለታት ትኽክል ከም ዘይነበረ ዝሕብር ሓሳብ ሂቡ'ዩ።

ቦይንግ'ውን እቲ 'ኤም ካስ' ዝተብሃለ ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ካብቶም ብዙሓት ምኽንያታት ምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ሓደ ከም ዝኾነ ጥራሕ ገሊጹ ነይሩ።

ኣይተ ተወልደ ግን፡ እቲ ወቐሳ ናበይ ከም ዝኸይድ ንጹር ከም ዝኾነ ተዛሪቡ'ሎ።

"እታ ነፋሪት ጸገም ከም ዝነበራ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ነዚ ይመስለኒ ነፈርቲ ቦይንግ ካብ በረራ ተኣጊደን ምምሕያሻት ዝግበረለን ዘሎ" ኢሉ።

"ነዞም ርእይቶታት ዝህቡ ዘለዉ ሰባት 'ስለምንታይ 380 ነፈርቲ [ቦይንግ] ኣብ መላእ ዓለም ካብ በረራ ተኣጊደን?' ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ይግባእ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባንያኣ ዝቐርብ ዘሎ ወቐሳታት ናብ ካልእ ገጽ ንኽዘውር ትደልይ ከም ዘላ ዘርእይ ሓሳባት ይቐርብ ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።