ሱዳን፡ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ዑመር ኣልበሽር Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዑመር ኣልበሽር

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝእለ ንፈለማ እዋን ኣብ ህዝባዊ ቦታ ተራእዩ።

ኣልበሽር፡ ካብቲ ዝተኣሰረሉ ቦታ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ተወሲዱ፡ ዝተመስረተሉ ክሲ ብልሽውና ሰሚዑ።

እቲ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ወዲ 75 ዓመት ፕረዚደንት ነበር፡ ጻዕዳ ባህላዊ ክዳንን ዕማመትን ገይሩ ነይሩ።

ዓቃቢ ሕጊ ከም ዝበሎ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ብዙሕ ክሻታት ሸርፊ ወጻኢ ከምእተረኽበ ሓቢሩ።

ትማሊ ሰንበት፡ ካብ መኪና ወሪዱ፡ ብፍሽኽታ ምስ ሓለውቱ እናተዘራረበ፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበለ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዝኣተወ ኣልበሽር ክወጽእ እንከሎ ግና ተጸዊጉ ከም ዝነበረ ሮይተርስ ገሊጹ።

ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበን ኲናት፡ ብዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝድለ ኣልበሽር፡ ንዝቐረበሉ ክስታት ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት እቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ፡ ነቶም ኣብ ቅትለት ሰላማውያን ሰልፈኛታት ዝተሳተፉ ከም ዝቐጽዕ ነጊሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስረት ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተቓወምቲ ይገልጹ።

እቲ ቅትለት፡ እቶም ኣብ ህልቂት ዳርፉር ኢድ ነይሩዎም ዝበሃሉ ጃንጃዊድ ዝበሃሉ ወተሃሃደራት ከም ዝተፈጸመ እዩ ዝዝረብ። እቲ ሰራዊት ግነ በቲ ምክትል ፕረዚደንት ከምዝእዘዙ እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ዓለም ለኻዊ ተቓውሞ ዘጋጠማ ሱዳን፡ ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ እውን ተኣልያ እያ። ኣብ መንጎ ተቓወምትን እቲ መሰጋገሪ መንግስትን ዝነበረ ዝርርብ እውን፡ ድሕሪ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ተቛሪጹ እዩ ዘሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ