ኣብ ሩባ ምርኢት ዘቕርብ ዝነበረ ህንዳዊ ኣስማተኛ ከም ዝተሰወረ ተሓቢሩ

ቻንቻል ላሂሪ Image copyright Ei Samay
ናይ ምስሊ መግለጺ ቻንቻል ላሂሪ ብናይ መድረኽ ስሙ ማንድሬክ ይፍለጥ

ቻንቻል ላሂሪ ዝተበሃለ ህንዳዊ ኣስማተኛ፡ ናይ ሃሪ ሁዲኒ [ዝተፈላለዩ ኣስማታውን ፈተንትን ንጥፈታት ብምስራሕ ዝፍለጥ ዝነበረ ሃንጋሪያዊ] ዝገበሮ ክገብር ምስ ፈተነ ኣብ ሩባ ተሰዊሩ።

ላሂሪ ብመቑሕ ተኣሲሩ ናብ ሩባ ምስተደርበየ'ዩ ተሰዊሩ።

ንሱ ኣብቲ ምርኢት፡ ዝተኣሰረሉ መቑሕ ፈቲሑ ህይወቱ ከድሕን ሓሳብ ነይርዎ። ይኹን'ምበር ዝሓሰቦ ከይሰመረሉ ኣብ ሩባ ሁግሊ ደሃዩ ጠፊኡ'ሎ።

ነቲ ምርኢት ክርእዩ ዝተኣከቡ ሰባት ንፖሊስ ብምሕባር፡ ኣብቲ ሩባ ይደልይዎ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።

ብሰንሰለትን መቑሕን ዝተኣሰረ ላሂሪ፡ ኣብ ክልተ ጀላቡ ዝተሳፈሩ ሰባት ንዝሰርሖ 'ሽጣራ' ይከታተሉ ነይሮም። ካልኦት ድማ ኣብ ገማግም ኮይኖም ይርእዩ ምንባሮም ተገሊጹ።

ፖሊስን ካልኦት ኪኢላታት ሓንበስትን ንላሂሪ ክርኽቡ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ክሰምረሎም ኣይከኣለን።

ሓደ ኣባል ፖሊስ ንጋዜጣ ሂንዱስታን ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣካሉ ክሳብ ዘይተረኸበ እቲ ዝካየድ ኣለሻ ከም ዘይቋረጽ ሓቢሩ።

ሰኣላይ ጃያንት ሻው፡ ላሂሪ ቅድሚ ምስዋሩ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ኣዘራሪብዎ ነይሩ።

"ንኣስማት ክብል ስለምንታይ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዋ ሓቲተዮ ነይረ" ዝብል ሻው፡ "ንሱ [ላሂሪ] ፍሽኽ ኢሉ 'ብትኽክል እንተሰሪሐዮ ኣስማት ይኸውን ኣሎ፡ እንተተጋግየ ድማ ናብ ዘሕዝን ፍፃመ ይቕየር' ዝብል መልሲ ሂቡኒ" ኢሉ።

ነቲ ተግባር ዝፍጽም ዘሎ "ኣብ ስራሕቲ ኣስማት ዘሎ ድልየት" ንምብርባር ዓሊሙ ከም ዝኾነ'ውን ገሊጹሉ ነይሩ።

ላሂሪ ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከውድቓ ንመጀመርታ ግዚኡ ኣይኮነን።

ቅድሚ 20 ዓመት እውን ኣብ ውሽጢ ብመስትያት ዝተሰርሐ ሳንዱቅ ብምእታው ናብ ሩባ ክጥሕል ተገይሩ'ዩ። ሽዑ ግን ህይወቱ ከትርፍ ኪኢሉ።

ኣብ ካልኦት ኣስማታዊ ስራሕቱ'ውን ተረኺቡ ዝረኣየ ሻው "ሎሚ ግን ካብቲ ማይ ዝወጽእ ኣይመስለንን" ክብል ርእይትኡ ሂቡ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት