አምነስቲ ኣብ ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ለውጢ ክግበር ሓቲቱ

አምነስቲ ኢንተርናሽናል Image copyright Amnesty International

ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ ናይ ጭቆና ታሪኽ ንኽትወጽእን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈጸሞም ሰባት ፍትሒ ንክረኽቡን ዘኽእል ኩነታት ንኽፍጠር፡ ኣብ ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ለውጢ ንኽግበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቲቱ።

ዓለማዊ ተጣባቒ መሰላት ዝኾነ ኣምነስቲ፡ ነቶም ብኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተዳለዉ ናይ 2008ን 2009 ኣ.ኢ ውጽኢታት ምርመራ ምስገምገመ እዩ ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ ዘሎ።

ኣምነስቲ፡ እቲ ኮሚሸን ዝተጠቐመሎም መምዘንታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ምስቲ ዓለምለኻዊ መምዘኒታት ስለዘይቓዶ፡ ኣብቲ ውጽኢት ጥርጣረ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ፡ ግዳያት ግቡእ ፍትሒ ከም ዘይረኽቡ ገይሩ እዩ ኢሉ።

ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምብራቕ ኣፍሪቃን ግሬት ሉክስን ዶኣን ኒያኑኪ "ገምጋምና ከም ዝሕበሮ፡ እታ ሃገር ካብ ዝነበረቶ ግህሰት መሳላት ንምውጻእ ንእትገብሮ ጻዕሪ እቲ ኮሚሸን ብቑዕ ስለዘይኮነ፡ ብመሰረት ዓለማዊ ደረጃን ተሞክሮታትን ለውጢ ክግበሩ ኣለዎ" ኢሉ።

ኣምነስቲ፡ ብፍላይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ብዝተወልዑ ተቓውሞታትን፡ ተፈጺሞም ዝተበሃሉ ጥሕሰታትን ሕሱም ኣተሓሕዛን ብዝምልከት እቲ ኮሚሸን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘቕረቦም ክልተ ጸብጻባት ገምጊሙ።

ኣብቲ ጸብጻብ ከኣ ንተቓወምቲ ሰልፍታትን ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም ጥፍኣተኛታት ከም ዝቕረበ ብምሕባር ንኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይወቅስ።

እቲ ኮሚሸን ንግዳያት መሊሱ ዝጎድእ ወገንተኝነትን ዘቕረብዎ ቅሬታ ናይ ዘይምቕባልን ጸገም ከም ዝነበሮ'ውን እቲ ዓለማዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

ግሉጽነት ክህልዎ፣ ንኹሉ ዘሳተፈ ክኸውንን ምዕሩይ ኣመራርሓ ክህልውዎን ዝሓበረ ኣምነስቲ፡ ነቲ ኮሚሸን ንምጥያሽ ዝወጽአ ኣዋጅ ምምሕያሽ ክግበረሉ ጸዊዑ።