ፕሬዝደንት ግብጺ ዝነበረ መሓመድ ሞርሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ሞይቱ

መሓመድ ሞርሲ 2012 Image copyright Getty Images

ፕረዚደንት ግብጺ ነበር መሓመድ ሞርሲ ኣብ መበል 67 ዓመቱ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ስነ ስርዓት ቐብሪ ሞርሲ ትማሊ ኣብ ምብራቕ ካይሮ ከም ዝተፈጸመ ጠበቕኡ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

መሓመድ ሞርሲ፡ ንሓደ ዓመት ፕሬዝደንት ግብጺ ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 2013 ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

እዚ መራሒ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዝነበረ፡ ንዝቐረበሉ ኽሲ ንምስማዕ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቐረበ ከም ዝሞተ ሰበ ስልጣን ግብጺ ተዛሪቦም።

መሓመድ ሞርሲ ካብቲ ብሙስሊም ብራዘር-ሁድ ዝፍለጥ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ኮይኑ፡ ናይ ልቢ ድኻም ምኽንያት ሞቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ቴሌቪዥን'ታ ሃገር ገሊጻ።

ፖሎቲካዊ ክንፊ ሙስሊም ብራዘር-ሁድ ብወገኑ ሞት ሞርሲ "ከም ቕትለት" እና ንርእዮ ኢሉ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድርኡን ድማ፡ ሞርሲ ንኸም ጸቕጢ ደምን በዝሒ ደምን ዝበሉ ከበድቲ ሕማማት፡ ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረክብ ኣይነበረን ኢሎም።

ወዲ 67 ዓመት ሞርሲ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ቤት ፍርዲ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ፕሬዝደንት ግብጺ ነበር መሓመድ ሞርሲ፡ ንሓሙሽተ ደቒቕ ዝኸውን ካብቲ ድምጺ ከስምዕ ዝኽእል ብመስትያት ዝተኸበ ክፍሊ ኾይኑ ይዛረብ ነይሩ።

ሞርሲ፡ ምስ ሙስሊም ብራዘር-ሁድ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ምስ ዝብሃል ፍሊስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ተኸታታሊ ርክብ ነይሩዎ ዝብል ኽሲ ምስ ተሰምዐ'ዩ ዘልሓጥ ኢሉ ወዲቑ።

ሞት እቲ ጥርጡር ምስ ተሰምዐ ድማ፡ ህዝባዊ ኣኽባሪ ሕጊ ግብጺ ኣብ ኣካላቱ ዝኾነ ዓይነት መጉዳእቲ ኣይነበረን ኢሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ስድራ ሞርሲ ጥዕናዊ ኩነታቱ ንምፍላጥ ክርእይዎ ኣብ ዝሓተትሉ ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም ነይሮም።

ከም ሓበሬታ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ሞርሲ ሰለስተ ግዜ ጥራሕ'ዩ ምስ ኣዝማዱ ክራኸብ ተፈቒዱሉ፤ ምስ ጠበቕኡን ሓኪምን'ውን ከይራኸብ ተነፊጉ።

ሬሳ ሞርሲ ኣበይ ከም ዘሎ ደሃይ ከም ዘይብሎምን፡ ሰበ ስልጣን ግብጺ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ክቕበር ከም ዘይፈቐዱን ወዱ ኣብዱላህ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

መሓመድ ሞርሲ ኣብ 2012 ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዝተመርጸ ፈላማይ ፕሬዝደንት ግብጺ'ዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር ሰለስተ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ንልዕሊ 45 ዓመታት ንኽእሰር ተበይንሉ ጸኒሑ'ዩ፡ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብምምራሕ፣ ኣንጻር መንግስቲ ንዝተቓወሙ ሰባት ምእሳርን ምስቓይን፣ ሃገራዊ ምስጢር ምውጻእ ዝብሉ ዝርከቡዎም ካልኦት ኽስታት ቐሪብሉ ።

ንሱ፤ ኩሎም ክነጽጎም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ደገፍቱ ድማ ፖለቲካዊ ሽርሕን እሙናት ዘይኮኑ መሰኻኽርን መረዳእታን ብምቕራብ እቲ ዝተገብረ ዕልዋ ሕጋዊ ልባስ ክረክብ ንምግባር ዝዓለመን'ዩ ይብሉ።

መሓመድ ሞርሲ መን'ዩ?

  • መሓመድ ሞርሲ ቀዳማይ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝተመረጸ ፕረዚደንት ግብጺ ኮይኑ፡ ኣብ መዝነት ፕረዚደንት ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽንሑ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ 3 ሓምለ 2013 ካብ ስልጣን ወሪዱ
  • ሑሴን ሙባረክ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ናብ ስልጣን ዝመጽአ መሓመድ ሞርሲ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ 2013 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ኣብ ምስጢራዊ ቦታ እዩ ተሓይሩ ነይሩ።
  • ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ግን፡ ንደገፍቱ ሓደ ጋዜጤኛን ክልተ ካብ ተቃወምትን ንክቐትልዎም ኣለዓዒሉ፣ ዘይሕጋውያን ኣብያተ ማእሰርቲ ከፊቱ ነይሩ ዝብል ክሲ ቐሪብሉ።
  • እዚ ክሲ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2012 ኣብ ሞንጎ ተቃወምትን ሙስሊም ብራዘር-ሁድን ዝተገበረ ምግጫው ኣመልኪቱ'ዩ እቲ ክሲ ቀሪብዎ።
  • ሞርሲ ምስ ካልኦት 14 ላዕልዎት ሓለፍቲ ሙስሊም ብራዘር-ሁድ ኣብ ሕዳር 2013 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።
  • ኣብ መጀመርታ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ እዋን ንሱ ግዳይ 'ወተሃደራዊ ዕልዋ' ከም ዝኾነ ብዓውታ ጨዲሩ፡ ብምስዓብ "ኣነ መራሒ ሪፓብሊክ ግብጺ እየ፡ ብመሰረት ቅዋም እዛ ሃገር ከኣ ብዘይ ሕጊ'የ ተቐይደ ዘለኹ" ኢሉ።
  • ኣብ ሚያዝያ 2015፡ ሞርስን ካልኦት ተኸሰስትን ብጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ ዝፈጸምዎ ምስቃይን ምእሳርን ገበነኛታት ኢኹም ተባሂሎም ንዕስራ ዓመት ተፈሪዶም።
  • ሞርሲ ኣብ ልዕሊ እዚ ብጉዳይ ምልሗኽ ሃገራዊ ሚስጢርን፡ ኣብ 2011 እሱኣት ንምፍታሕ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ውዲት ኣሊሙን ዝብል ክሲ'ውን ቀሪብዎ ነበረ።

መሃን

  • ሞሓመድ ሙርሲ ኣብ 1951 ኣብ ኢል ኣድዋሕ ዝተባሃለት ኣብ ገምገም ኒል ዞባ ሻርቕኣ እትርከብ ዓዲ'ዩ ተወሊዱ።
  • ክሳብ 1970 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ትምህርቲ ምህንድስና ድሕሪ ምክትታሉ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከይዱ ብሳልሳይ ዲግሪ ተመሪቑ።
  • ናብ ግብጺ ተመሊሱ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዛጋዚግ 'ዲን' ኢንጂነሪንግ ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ።
  • ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣላይነት ሙስሊም ብራዘር-ሁድ ካብ 2000 ክሳብ 2005 ተጸንቢሩ ኣብ ሓጺር ግዜ መሳልል ሰልጣን ክድይብ ጀሚሩ።
  • ኣባል ባይቶ ኣብ ዝነበረሉ ብናይ መደረ ክእለቱ ካብ ብዙሓት ኣድናቆት ኣትሪፉ'ዩ።
  • ኣብ ወርሒ ምያዝያ 2012 መሓመድ ሞርሲ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ሙስሊም ብራዘር-ሁድ ኮይኑ ተመሪጹ።
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሞርሲ ኣብ 2013 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

እንታይ ርኢይቶታት ተዋሂቦም?

ሙስሊም ብራዘር-ሁድ፣ ሰልፊ ናጽነትን ፍትሕን፡ ሞት ሞርሲ "ቕትለት'ዩ" ኢሎም፤ ደገፍቲ ድማ ኣብ ስርዓተ ቐብሪ ሞርሲ ክርከቡን ኣብ ፊት ኣብ ዓለም ኣብ ዘለው ኤምባሲታት ግብጺ ሰልፊ ተቓውሞ ከስምዑን ጸዊዖም።

"ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ንብሕቱ ኣሲሮም መድሃኒትን ጥዑይ መግብን ከይረክብ ገይሮም። ሓካይምን ጠበቓታትን'ውን ምስ ስድርኡ ከይተረፈ ከይራኸቡ ገይሮም። እታ ቀላል እትብሃል ሰብኣዊ መሰል'ውን ከሊኦሞ'ዮም"።

ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶሃን ድማ፡ ዝተሰምዖ ዓᎁቕ ሓዘን ብምግላጽ 'ንጭካነ' ግብጺ ኾኒኑ።

ብዛዕባ ጥዕናዊ ኩነታት ሞርሲ ከጠንቅቕ ዝጸንሐ ኣባል ባይቶ ብሪጣኒያ ክሪስፒን ብሉነት፡ "ዘይሻራዊ ዓለማዊ መርመራ" ክካየድ ብምጽዋዕ፡ መንግስቲ ግብጺ "ነዚ ሃንደበታዊ ሞት መብርሂ ከህብ ግዴታ ኣለዎ" ኢሉ።

ምኽትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ማእኸላይን ሰሜንን ኣፍሪቃ ማግዳሌና ሙግህራቢ ድማ፡ "ንኸባቢ ሽዱሽተ ዓመት ሞርሲ ንብሕቱ'ዩ ተኣሲሩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ኣብ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕንኡ ጉድኣት ክበጽሖ ገይሩ'ዩ። እንታይ ኣሎ ካብ ዝብል ኩነታት ዓለም ክንጸል ተገይሩ'ዩ" ኢላ።

ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ማእኸላይ ምብራቕ ሳራ ሌህ ዊስቶን ብወገና ሞት ሞርሲ፡ "ዝኸፍአ ግን ድማ ክግመት ዝኽእል" ክትብል ገሊጻቶ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ