ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ንኢትዮ-ቴሌኮም ክኸሱ'ዮም

ኢትዮ-ቴሌኮም Image copyright ELVIS

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ሰሉስ ብዙሓት ኢንተርኔት ተጠቒሞም ክረኽቡዎ ዝደልዩ ሓበሬታ ክድህስሱ ኣይክኣሉን፤ ኢንተርኔት ብምቁራጹ ብመንገዲ ቴሌፎኖም ኮነ ኮምፒዩተር 'እንታይ ይብሃል ኣሎ' ዝብል ነገር ክፈልጡ ኣይክኣሉን።

መዓልታት እናተቖጸሩ ምስ ከዱ ግን፡ ከም ብዋዛ ዝጠፍአ ኢንተርኔት፡ ናበይ ኣተወ ክፍለጥ ኣይክኣለን።

እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኢትዮ-ቴሌኮም፡ "ኣነ ዝፈልⶏ ነገር የብለይን።" በለ። "ቐዳማይ ሚኒስትር'ከ ይፈልጡ'ዶ?" እንተተብሃለ'ውን፡ 'ኢትዮ-ቴሌኮም እምበር ንሕና እንታይ ኣእተወና' ዝብል ምላሽ'ዩ ተዋሂቡ።

ይኹን'ምበር፡ ሰባት ምቁራጽ ኢንተርኔት ምስቲ ክካየድ ዝጸንሐ ሃገራዊ ፈተና እዮም ከዛምዱዎ ቐንዮም።

ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ ከም ዝተቋረጸ ድማ ደጊምና ሰሚዕና። 'ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ከምዚ'ስ ዘይሕሰብ'ዩ' ዝበሉ ሰባት ግር ኢሉዎም።

"ንኢትዮ-ቴሌኮም ክኸስስ'የ"

በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ዮሐንስ እንየው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ መምህር ሕግን ኣማኻሪ መሰላት ዲጂታልን'ዩ። ኣብዚ ቕነ ንዝተፈጠረ ነገር፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ብሕጊ ክሕተት ኣለዎ ይብል።

"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኢንተርኔት ኣርባዕተ ግዜ ተቋሪጹ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ንገሊኦም ሕንቃቐ'ኳ እንተመሰለ፡ ተሞኩሮ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትርኢ ከለኻ ግን፡ መንግስቲ ከምዚ እንትፍጽም ይኽሰስ'ዩ። ብሩንዲ፣ ታንዛኒያ ኮነት ኡጋንዳ ኢንተርኔት እንተቋርጻ ይኽሰሳ። ኣብ ሃገርና ግን ዋላ ሓደ ተሓታቲ ክኸውን ኣይትርእን" ኢሉ።

ይኹን'ምበር ኣይተ ዩውሃንስን ካልኦት ንኢትዮ-ቴሌኮም ክንኸሶ ኢና ዝብሉ ዘለው ሰብ ሞያ ሕግን፡ ዝሓዙዎ ነገር ገና ኣብ ሓሳብ ዘሎ ጉዳይ'ዩ።

"ኣብ ቐጻሊ መንግስቲ ኾነ ኢትዮ-ቴሌኮም [ካልኦት ብፕራይቬታይዜሽን ዝኣትው ሓዊስካ]፡ ኣብ ቐጻሊ ግቡእ ብዘይኮነ መገዲ ካብ ሕጊ ወጻእ ዝኾኑ ነገራት ንከይፍጸሙ ንምክልኻል'ዩ"።

እንታይ ኢልካ'ዩኸ ክኽስ?

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝበሉ ማሕበራዊ ድረገጻት፡ ጽሙዋ ወሪሱዎም ቐንዩ'ዩ።

ኢንተርኔት ተቛሪጹ ስለ ዝቐነየ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ተኸሲሱ ንበል....ዝርዝር እቲ ኽሲ ግን እንታይ'ዩ ክኸውን? ሓበሬታ ናይ ምርካብ ነጻናት ምግታእ? ተጠቀምቲ ንዝገዝኡዎ 'ዳታ' ከይተጠቐምሉ ምኽሳሮም?።

"ኢንተርነት ምዕጻው ብዙሕ ጸገም ፈጢሩ'ዩ። ንሕና ግን ብዋናነት ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ናይ ምዝራብ ነጻነት፣ መሰል ሓበሬታ ምርካብ ኣብ ዝብሉ ነገራት ኢና ትኹረት ንገብር። እቲ ዘስዓቦ ኪሳራ'ውን ክነካትቶ ንኽእል ኢና። ሓደ ጸብጻብ ኢንተርነት ብምቁራጹ እታ ሃገር ኣብ መዓልቲ 4.5 ሚሊዮን ዶላር ትስእን ኢሉ'ዩ። እዚ ማሕበራውን ቁጠባውን መሰላት ዝነክእ'ዩ ማለት'ዩ"።

"ዝተወደቡ ማሕበራት እንተዝህልው ነይሮም....." ዝብል ኣይተ ዮውሃንስ ከይዲ እቲ ኽሲ ቅልል ዝበለ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

"ንኣብነት፡ ብሎገራት ማሕበር እንተዝህልዎም ነይሩ፡ ኢንተርነት ብምቁራጹ ዝበጽሖም ጽዕንቶ ኣረዲእኻ ኽሲ ምቕራብ ይክኣል'ዩ" ኢሉ።

'ኢትዮ-ቴሌኮም ክኽሰስ'ዩ ዝብል ዘረባ ሰሚዕኹም'ዶ?' ኢልና ዝሓተትናዮም በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ኣምሃ መኮንን፡ "እዚ ጉዳይ ንዓይ ሓድሽ ነገር'ዩ፤ ግን ድማ ኢትዮ-ቴሌኮም ክኽሰስ ከም ዘለዎ ይኣምን'የ" ዝብል ምላሽ ሂቦምና።

ግርም፡ ኽሲ ተመስሪቱ፤ ምላሽ እቲ ቤት ፍርዲ ግን እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣይተ ዮውሃንስ ነዚ ምላሽ ኣለዎ።

"ስልጣን የብለይን፣ ጥቕሚ የብልኩምን ክብል ይኽእል'ዩ። ብፍታብሄር ኣብ ጉዳይ ረብሓ ህዝቢ ኽሲ ክቐርብ ኣለዎ። ጥቕሚ ዝብሃል ድማ፡ መሰል ወይ ንብረት ምኽባር ክኸውን ይኽእል። ንሕና እነቕርቦ ግን 'ስትራቴጂክ ሊቲጌሽን [ሰብኣዊ መሰል ንምኽባር ዝቐርብ ኽሲ] ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ጥቕሚ ህዝቢ'ዩ።" ይብል።

ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ 37 ዝሰፈረ "መሰል ፍትሒ ምርካብ" ዝብል መሰረት ገይሮም እቲ ክሲ ከምዘቕርቡ ኣይተ የውሃንስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ተወሳኺ ዛንታ