ተኣማንነት ኩባንያ ቦይንግ ናብ ዝነበሮ ዝመልስ ጠለብ ነፈርቲ ማክስ-8

ኣብ ምስራሕ ዝርከባ ነፈርቲ ቦይንግ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዥያን ዘጋጠመን ሓደጋ ኩለን ማክስ 8 ካብ በረራ ደው ኢለን ይርከባ

ኩባንያ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ (ብሪቲሽ ኤየር ወይስ)፡ 200 ማክስ-8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ንምዕዳግ ናብ መፍረ ነፈርቲ ኩባንያ ቦይንግ ጠለብ ኣቕሪቡ።

እተን ዘመናውያን ተባሂለን ዝጥቀሳ ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዥያን ዘጋጠመን ሓደጋ ካብ መጋቢት ጀሚረን ካብ በረራ ደው ኢለን ይርከባ።

እዚ ጠለብ'ዚ ድማ ንኩባንያ ቦይንግ ካብቲ ብሰንኪ እቶም ሓደጋታት ኣትዩዎ ዝጸንሐ ቅልውላዉ ዘውጽእ ክኸውን'ዩ።

እተን ነፈርቲ፡ እቲ ዘጋጠመን ቴክኒካዊ ጸገም ተፈቲሑ፡ ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ኣዋርሕ ናብ ንቡር ኣገልግሎተን ክምለሳ እምነት ከም ዘለዎ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ገሊጹ።

ቦይንግ፡ ንስርዓተ-መቆጻጸሪ ናይተን ነፈርቲ ንምዕራይ ሓድሽ ሶፍትዌር ኣብ ምምዕባል ይርከብ።

ኣብቲ ኣብ መጋቢት ዘጋጠመ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኩሎም 157 ተጓዓዝቲ ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ሓሙሸተ ወርሒ ኣቐዲሙ'ውን ተመሳሳሊት ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት ብምውዳቓ ካብቶም 189 ተጓዓዝታ ዝተረፈ ኣይነበረን።

ሓደጋ ናይ ክልቲአን ነፈርቲ ተመሳሳሊ ብምንባሩ፡ቴክኒካዊ ጸገም ከም ዝለወን ክፍለጥ ከም ዝተኻእለን፡ ብሰንኩ ኩለን ካብ በረራ ደው ከም ዝብላ ኮይነን'የን።

ኩባንያ ቦይንግ፡ ብሰንኪ'ዚ ከቢድ ነቔፈታ ኣስዒቡሉን፡ ጠለብ ናይተን ነፈርቲ'ውን ከም ዝጎድል ኮይኑን'ዩ።