ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 70 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኢሉ

ቬኑዜዌላዊት ስደተኛ፡ 7 ግንቦት 2019 Image copyright Reuters

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ኲናት፣ ስቓይን ግጭትን ዝሃደሙ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 70 ሚልዮን በጺሑ ኢሉ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት እቲ ውድብ፡ ኣብ ናይ 70 ዓመት ስርሑ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ከም ዝኾነ'ዩ ዝሕብር። እዚ ቑጽሪ ክልተ ዕጽፊ ቅድሚ 20 ዓመት ዝተመዝገበ ምምዝባል'ዩ።

እዚ ማለት መዓልታዊ ብማእኸላይ ገምጋም 37 ሽሕ ሰባት ይስደዱ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ፡ "እዚ ቑጽሪ ክንሪኦ እንከለና፤ ቑጽሪ ካብ ስቓይ፣ ኲናትን ግጭትን ውሕስነት ዘድልዮም ሰባት ይዓቢ ከም ዘሎ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ቑጽሪ ተመዛበልቲ፡ ህዝቢ ዓለም ካብ ዘርእዮ ዘሎ ወሰኽ፡ ወሰኽ ብዝሒ ዝስደዱ ከም ዝዛየድ እዩ ዘርኢ። ኣብ 2018፡ ካብ 1000 ሰባት እቶም 9.3 ተመዛቢሎም ይርከቡ። እዚ፡ ምስቲ ኣብ 1992 ዝነበረ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ምስ ዝነጻጸር ብልዕሊ ዕጽፊ ዛይዱ ንረኽቦ።

ከም ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብምክንያት ቅልውላው ቬኔዙዌላ ቑጽሪ ተመዛበልቲ ወሲኹ'ዩ።

ኣርባዕተ ሚልዮን ዝጽግዑ ቬኔዝዌላውያን ካብ ሃገሮም ተመዛቢሎም።

እዚ ጸብጻብ ነቶም ተመዛበልቲ ኣብ ሰለስተ ጉጅለ'ዩ ዝኸፍሎም።

ኣብ ቀዳማይ ብምኽንያት ግጭት፡ ኲናትን ስቅያትን ካብ ሃገሮም ካብ ዝወጽኡ፤ ኣብ 2018፡ ቑጽሪ ስደተኛታት 25.9 ሚልዮን በጺሑ ነይሩ። እዚ 5.5 ሚልዮን ፍሊስጤማውያን ዘጠቓለለ'ዩ።

ኣብቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ 3.5 ሚልዮን ሓተትቲ ዕቑባ ኣለው። እዚኦም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ትሕቲ ዓለማዊ ሓለዋ ዝርከቡን ገና ናይ ስደተኛ ወረቐት ዘይረኸቡ'ዮም።

ብሳልሳይ ደረጃ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ኮይኖም፤ ቑጽሮም ኣብ ዓለም 41.3 ሚልዮን ይበጽሕ።

ልዕሊ ክልተ መሰለስ [ልዕሊ 66 ሚኢታዊት] ካብ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሚያንማርን ሶማሊያን ዝመጽኡ'ዮም።

ሶርያ 6.7 ሚልዮን ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ክህልዉዋ እንከለዉ ፡ ኣፍጋኒስታን 2.7 ሚሊዮን ሰባት ኣመዛቢላ።

ኣብ 2018፡ 92400 ስደተኛታት ጥራሕ ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ተቐባልነት ክረኽቡ እንከለዉ፡ ትሕቲ 7 ሚኢታዊት ድማ ይጽበዩ ኣለው።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ 98 ሚኢታዊት ዝግመቱ ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም። እዚ ብምኽንያት ኣብ ገለ ከባቢታት ዝተወልዐ ግጭት'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ