ኢትዮ ቴለኮም ይቕሬታ ሓቲቱ

ኢትዮ-ቴሌኮም

ኣብ ኢትዮጵያ እንኮ ኣቕራቢ ኢንተርኔት ዝኾነ ኢትዮ ቴለኮም፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣቋሪጹ ብምጽንሑ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እዚ በሰሉስ ምሸት በቲ ትካል ዝወጸ መግልጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምቁራጽ ኢንተርኔት ምንባሩ ዝሕብር ናይ መጀመርታ ወግዓዊ መግለጺ'ዩ።

ኢትዮ ቴለኮም ካብ 10 ሰነ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክቆራረጽ ከም ዝጸነሐ ብምሕባር "ንኩሎም ዓማዊልና ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኢትዮ ቴሌኮም ንምዕጻዉ ኢንተርኔት'ምበር ንምኽንያት መዕጸዊኡ ክሕብር ሓላፍነት ከም ዘይብሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብዙሐት ሰባት ግን ምስቲ ብሃገር ደረጃ ዝውሃብ ዝነበረ ፈተና፡ ተምሃሮ ንሓድሕዶም ከይቀዳድሑ ተባሂሉ ከም ዝተዓጽወ'ዮም ዝኣምኑ።

እቲ ፈተና ብሰሉስ ወዲኡ፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት'ውን ሽዑ መዓልቲ ዳግማይ ምጅማሩ ድማ ከም መራትዒ የቕርብዎ።

ብሰሉስ፡ ዝተኣኻኻቡ ክኢላታት ሕጊ፡ ምዕጻው ኢንተርኔት ንሰባት ሓበሬታ ከይረኽቡ ዝእግድ ስለ ዘውኾነ ብቅዋም'ውን ስለ ዘይፍቀድ ክነከሶ ኢና ማባሎም ይፍለጥ።

ኢትዮ ቴለኮም ኣብ ዘሓለፈ ሰሙን፡ ኣገልግሎት 'ኦንላይን' ስለ ዘይረኸቡ ዝኸፈልዎ ሰልዲ ከም ዘይብሎም'ውን ሓቢሩ።

ተወሳኺ ዛንታ