ገለ ካብቶም ዝተጠቕሱ 'ባእታታት' ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዘራረብናን ይብሉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ (ጸጋም) ምስ የማነ ገብረኣብ (ጸጋም) Image copyright Office of the Prime Minister-Ethiopia/facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቖመ ልኡኽ ኤርትራ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺቡ ነይሩ

ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ፡ "ገለ ፍሉጣት ባእታታት" ኤርትራውያን ተቓውምቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሞንጎኝነት ኢትዮጵያ ዝርርብ ጀሚሮም ዝብል ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝረበሉ ኣሎ።

እቲ ዘይተረጋገጸ ዜና፡ ኣብ ሲዊዘርላንድ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ ኪኢላ ሕጊን ተጣባቒ መሰላትን ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ዝዘርግሖ ኮይኑ "ብወገነይ እሙን ዝብሎ ምንጪ ከም ዝሓበረኒ" ብምባል፡ ምንጩ ስሞም ዘይተገልጸ ኣውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት ምዃኖም ይጠቅስ።

"መንግስቲ ኤርትራ ምስ ገለ ፍሉጣት ባእታታት ናይ ደንበ ተቓውሞ፡ ብሞንጎኝነት ኢትዮጵያ፡ [ትማሊ ረቡዕ] ኣብ ዝርርብ ተጸሚዱ" ከም ዝነበረ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ'ዩ ዶ/ር ዳኒኤል ዝዛረብ።

ይኹን 'ምበር ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝርርብ ይሳተፉ ኣለዉ ዝበሃሉ ዘለዉ "ፍሉጣት" ኤርትራውያን ዝኾነ ኣቶ ሃይለ መንቀሪዮስ፡ እቲ ዝናፈስ ዘሎ ወረ "ሓቂ ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ ሃይለ መንቀሪዮስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ሓደ ካብ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ብምዃን ኣገልጊሉ'ዩ። ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ፡ ንምሕደራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተቓወሙ፡ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረን እውን'ዩ።

ዶ/ር ዳኒኤል ግን "ክሳብ ሕጂ ብዘለኒ ሓበሬታ እቲ ተዋሂቡኒ ዘሎ ሓበሬታ ቅኑዕን ርጡብን ምዃኑ'የ ዝፈልጥ" ድሕሪ ምባል ግዜ ዝጽበየሉ "ዘይገለጽክዎ ተወሳኺ ዝርዝራት ኣሎ " ይብል።

ቢቢሲ ሓቅነት ናይቲ ዜና ንምርግጋጽ ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ተወከሶ፡ "ብዛዕባ'ዚ ዝበሃል ዘሎ ነገር ንፈልጦ የብልናን" ብምባል ነቲ ወረ ነጺግዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት፡ 20 ሰነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጻውዒት ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምቕባል ንኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ከም ዝሰድድ ሃንደበት ብምፍላጥ ባብ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ምርሓዉ ይዝከር።

Image copyright Science Photo Library

እቲ ንጽባሒቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረአብን ዝቖመ ልኡኽ፡ ትማሊ'ውን ኣብ ድሮ መዓልቲ ሰማእታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዘራሪቡ።

ናይቲ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምርካብ'ውን ነቲ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ዝርርብ ምስ ተቓወምቲ ተወሳኺ ነዳዲ ወሲኹ'ሉ ኣሎ።

ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ንምርካብ ንመንግስቲ ኤርትራ ተወኪስና'ዮ፡ ዛጊት መልሲ ኣይረኸብናን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣብ ደገ ዘለዉ ተቓወምቱ ኣፍልጦ ኣይህብን'ዩ።

ድሕሪ ዕርቀ-ሰላም ሓምለ 2018፥ ነቶም ኣዕቊብዎም ዝነበረ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሶም፡ ብወገን ኤርትራ'ውን፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውስድ'ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ ናብኡ ገጹ ዝእንፍት ስጉምትታት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተወስደን።

"ውጽኢት ናይቲ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ጸኒሕና ክንርእዮ ኢና" ዝበለ ዶ/ር ዳኒኤል፡ መግስቲ ኤርትራ ንህላወ ተቓውሞ ኤርትራ ክእመን እንተኺኢሉ ግን "ከም ዓቢ ስጉሚ ንቕድሚት'ዩ" ክብል ገሊጹ።