ሓሰኻ በለስ፡ ኮችኔል ኣብ ምብራቕ ትግራይ ተራእዩ

ተኽሊ በለስ

ወርሒ ሰነ ምስተቐልቀለ ሓረስታይ ትግራይ ሳላ በለስ ቀውዒ ይበርቀሉ።

ብዘይእኹል መፅናዕትን ብተብተብን ክኣትው ዝተገብረ ሓሰኻ በለስ፡ ኣብ ክንዲ ዝረብሕ፡ መርዘን ርእሲ ሓረስታይ ትግራይ ኰይኑ፤ ሎሚ ብፍላይ ሓረስቶት ደቡብ ትግራይ ኣፍ ኣውፂኦም "ኤህ ደኣ መንግስቲ ትግራይ. . ." ኢሎም ክራገሙ ንድሕሪት ኣይበሉን።

ምህርቲ በለስ ትግራይ ህሙኽ ምስኣበሎ፡ መዓት ወሪዱና ተባሂሉ እንኰላይ ስሙ "ቁርዲድ በለስ" ተባሂሉ ከመይ ገይርካ ይጥፋእ ዝብል ዓይነ መርፍኡ ጠፊኡ፤ ክሳብ ሕዚ መንግስቲ ኣብ ሸኾርተት እዩ ዘሎ።

እቲ ሓሰኻ ንረብሓ ህዝቢ ክውዕል ብምትላም እዩ ናብ ዓዲ ክኣትው ተገይሩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ እዋን ረብሓ እቲ ሓሰኻ ብተግባር ተራእዩ፤ ሓረስቶት ንኺሎ 40 ቕርሺ ምሻጥ ጀሚሮም።

እቲ ሓሰኻ ብባህሪኡ ብንፋስ ብቐሊሉ ዝራባሕ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ኩሉ ምሉ ተሓዋዊሱ ብቕልጡፍ ተላቢዱ።

ዞባ ደቡብ ኣላኢሙ፤ ናብ እንደርታ ዘሊቑ ኣተወ። ብኡ እኳ ከይሓልፈሉስ ሎሚ ናብ ምብራቕ ትግራይ ተላቢዱ።

ኣብ መሬት ዓጋመ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ስለዝተራኣየ ዓብዪ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

እቲ ምርምር ኣበይ ነጠበ?

ለበዳ ሓሰኻ በለስ ካብ ዞባ ደቡብን እንደርታን ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከይዘልቕ ኣብ ክልተ ኣውላዕሎን ደጉዓ ተንቤንን ብ2008 ዓ.ም መዕገቲ ቦታ ተሓንፂፁ ነይሩ። ነዚ ድማ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ምስ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ሓላፍነት ከምዝወሰዱ ይዝከር። ኮይኑ ግና እቲ ሓሰኻ ናብ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ደጉዓ ተንቤንን ሓውዜን ዘሊቑ ከምዝኣተወ ሓደን ክልተን የብሉን።እቲ ክፍጠር ዝተበሃለ ናፃ መሬት ንምንታይ ተጣሒሱ? ካብ 2008 ዓ.ም ኣትሒዙ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኮይኑ ነቲ ለበዳ ጠጠው ኣብ ምባል እንታይ ሰሪሑ?ሓላፊ ትካል በለስ ዓዲግራት የማነ ካሕሳይ (ሓጋዚ ፕሮፌሰር)፡ "ወላ እኳ እቲ ሓሰኻ ካብቲ ክንዓግቶ ዝበልናሉ ከባቢ ሓሊፉ እንተኣተወ: ካብ ቁፅፅር ንላዕሊ ግን ኣይኮነን። ከምቲ ኣመፃፅእኡ ዛጊድ ኣብ ኤርትራ ምበፀሐ ነይሩ" ይብሉ።

"ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተኽሊ በለስ ክጠፍእ ነይርዎ። ኮይኑ ግና ምስ ሕብረተሰብ ብዘካየድናዮ ዝተዋደደ ስራሕ: ሓደጋ ኣውሪዱ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ ገምጋምና: ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ ኣይኮነን ዝብል እዩ" እንትብሉ ድማ ተረጊፆም ይዛረቡ።

እቲ ምርምር ምስ ተጀመረ፡ ነቲ ሓሰኻ ዘጥፍእ መድሓኒት ተረኺቡ ተባሂሉ ተዘሪቡ ነይሩ። ዛጊድ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ መድሓኒት ግን የለን። እዚ ትካል በለስ ነቲ ሓሰኻ ንምክልኻል ኢሉ እውን ንምጥፋእ ዘኽእል እንታይ ዘፍረዮ ውፅኢት ምርምር ደኣ'ሎ? ክንብል ሓቲትናዮም። "ዝንፀግ መድሓኒት ብዝምልከት ወላ ብደረጃ ዓለም ከም መፍትሒ ኣይተወሰደን። ካብ ብራዚል ዝረኸብናዮን ዝሐሸ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል: ንቲ ሓሰኻ ዝፃወር ዓሌት በለስ ምትካል እዩ። ነዚ ንምትግባር ፀኒዕና ንሰርሕ ኣለና " ኢሎም እቶም ሓላፊ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሓላፊ ትካል በለስ ዓዲግራት ኣቶ የማነ ካሕሳይ (ሓጋዚ ፕሮፌሰር)

ዩኒቨርሲቲ መቐለ: ኣብ ከባቢ መኾኒ ፈተነ ምትካል ተፃዋሪ ዓሌት ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ እቶም ሓላፊ ይዛረቡ።

ካብዚ ወፃኢ ነቲ ሓሰኻ ንምጥፋእ ተባሂሉ ዛጊድ ዝተምሃዘ መድሓኒት ኣሎ ተባሂሉ'ኳ እንተነበረ ረብሓ ኣይሃበን ይብሉ።

"ውፅኢት ኣይተረኸቦን። ወላ እኳ እቲ ምርምር ይቐፅል: ዝሐሸ መፍትሒ ተፃዋሪ ዓሌት ምትካል ምዃኑ ኢና ንኣምን"።

ይኹን'ምበር፡ ሐዚ'ውን ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ዓᎁቝ ምርምር ብምክያድ ነቲ ሓሰኻ ንምቁፅፃር ዝሕግዝ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ንምምሃዝ ይሰርሑ ከመዘለዉ ይዛረቡ። "ኣብቶም ናፃ ዝኾኑ ከባብታት ምብራቕ ትግራይ ተርእዮታት እንትህልዉ ዝሐሸ ሜላታት ምክልኻል ረኺብና ኣለና" እውን ኢሎም።

ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ምስ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከምኡ እውን ምስ ኣመሪካውያን፣ ጣልያናውያንን ሜክሲኮውያንን ገበርቲ ሰናይ ብምጥማር ይሰርሕ ምህላዉ ኣቶ የማነ ሓቢሮም።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ህዝቢ ዘመዛብል ዘሎ ሓሰኻ ኮችኔል!

ግደ ሓረስታይ

'እግዝኣብሔር ዘውረዶ መዓት ባዕሉ የጥፋኣዮ' ዝብል እምነት ዘለዎም ሓረስቶት ኣለዉ። ዝበዝሑ ድማ መንግስቲ ከምታ ባዕሉ ብኢደ እግሩ ዘምፀኦ ባዕሉ የጥፋኣዮ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ወጀራት ከይድና ዝሓተትናዮም ሓረስታይ "ህዝቢ እንተጥፍእ መንግስቲ ይቐፅዖ፤ መንግስቲ እንትጋገ መን ይቐፅዖ? ?"ዝብል ኣግራሞት ዝተመልኦ ርእይቶ ምሃቦም ኣይርሳዕን።

ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት፡ ግንዛበ ሓረስቶት ትግራይ ኣብ ምጉልባት'ውን ኣድሂቡ ይሰርሕ ምህላዉ ይገልፅ።

ኣቶ የማነ "ሕብረተሰብ ነቲ ሓሰኻ ብኸመይ ኣገባብ ክከላኸሎ ከምዝግባእ፡ ከመይ ኣቢሉ እዩ በለሱ ክሕልው ዝግባእ ዝብል ኣብ በብጣብያትትን ወረዳታትን ስልጠናን ኣስተምህሮን ንህብ። ናብ ባይታ ወሪድና ንሕግዝ። ኣብ ልዕሊ በለስ ዝወረደ ምጽኣት እንተይኰነስ፡ ሕብረተሰብ ክከላኸሎ ከምዝኽእል ኣርእዩና'ሎ" ኢሎም።

እቲ ሕዚ ግብራዊ ዝኸውን ዘሎ ምክልኻል ግና ሓረስቶት ኣብ ነብሲወከፍ ግራቶም ክፍፅምዎ ዝኽእሉ ምዃኑ ኣቶ የማነ ካሕሳይ ይዛረቡ።

"ሕድ ሕድ ግራት ጥቡቕ ዝዀነ ተፍታሽን ቁፅፅርን ክግበረሉ ይግባእ። ምልክት እንትረአ ድማ ብእዋኑ ቆሪፅካ፣ ኣቃፂልካ ምቕባር ዝብል ሜላ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ሜላ እዚ ድማ ፅቡቕ ተመክሮ ረኺብና ኣለና"።

ተኽሊ በለስ ምስ ህይወት ህዝቢ ትግራይ ቐጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እዩ፡ ሓረስታይ ትግራይ በለስ ኣብ ገደናኡ እንትሓምም ብሓዘን ዝጥወፍ ዘሎ።

በለስ ፍሉይ ሕብሓበ እኳስ ዘይሓትት፤ ኣብ ገዛ ከይተረፈ ቦቝሉ ዝፈሪ ለጋስ ተኽሊ እዩ። እሞ ድማስ ኣብ እዋን ሓሪ መድሕን ህዝብን ጥሪትን ትግራይ ኰይኑ ኣያን ማእገርን ምዃኑ ዘመስከረ ሕያዋይ ተኽሊ እዩ።

"ኮነ ኢልካ ክላበድ ምንቅስቓስ ይግበር'ሎ"

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ክኢላ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሓሰኻ በለስ ኣይተ መለስ ኣባዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ፡ ለበዳ እቲ ሓሰኻ ንምግታእ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ 'ስትሪም ኮሚቴ' ብስርዓት ከምዝተጣየሸ ይዛረቡ። ኮይኑ ግና ነቲ ፀገም ግቡእ ጠመተ ሂቡ ዝመርሕ ከምዘየለ ኣሚኖም።

"በቲ ዝተሓንፀፀ ትልሚ ተዋዲድካ ኣብ ምስራሕ ዓብዪ ድኽመት'ሎ። ኩሉ በብእጃሙ ኣይሰርሕን። ኣብ ገለ ኣመራርሓ ወረዳታት እውን 'ክንከላኸሎ ኣይንኽእልን' ዝብል ተስፋ ምቑራፅ'ሎ። ስለዚ መሊእና ናብ ባይታ ወሪድና እንተንሰርሕ እሞ እንተዝኣብየና 'ኣብዩና' ምበልና፤ ግን እቲ ዝበሃል ናብ ተግባር ኣይተሸረፈን" ኢሎም።

እቲ ሓሰኻ ናብ ዘይኣተዎም ከባቢታት ከይላበድ ክሳብ ብደረጃ ጣብያ ልምዓት ዝምራሕ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ኣንፈት ተሓንፂፁ ንምትግባር ይፀዓር'ሎ።

"ካብ ኣፅቢ ክሳብ ሓውዜን ቆራሮ 23 ናቑጣታት ብምኽፋት 62 ስካውት(ፈተሽቲ) ተቖፂሮም: ጥቡቕ ተፍታሽን ቁፅፅርን የካይዱ ኣለዉ"።

እቲ ሓሰኻ ብንፋስን እንስሳን እዩ ዝላበድ። "ኮይኑ ግና ብሰባት ኮነ ኢልካ እቲ ሓሰኻ ክላበድ ምንቅስቓስ ይግበር ምህላዉ እውን ተሰጊኡ'ሎ። ኣብዚ ተወሳኺ ምርመራን ምፅራይን ይካየድ ኣሎ። ንኣብነት 'ኣብ ኣፃድፍ ቆራሮ ገረዓልታ ብኸመይ ክኣትው ክኢሉ?' ዝብል ዘተሓሳስብ እዩ" ይብሉ ኣይተ መለስ ኣባዲ።

ገና ዘይተበራበሩ'ለዉ!

ሓደ ቺላዊ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ እዩ ቅድሚ 10 ዓመት ኮችኔል ሒዙ ናብ ትግራይ መፂኡ። 60 ሚኢታዊት ሓረስቶት ሃገራት ፔሩን ሜክሲኮን ነዚ ምህርቲ ሓሰኻ'ዚ ብምሻጥ ልዑል እቶት ረኺቦም ከምዝናበሩ ይፍለጥ። ክሳብ ንሓደ ኺሎ 40 ዶላር ኣመሪካ ስለዘውፅእ "ወርቂ ሓሰኻ እዩ" ይብልዋቶ።

ብደንቢ እንተለሚዑ፡ ባዕሉ እቲ ሓሰኻ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ። ካብቲ ሓሰኻ ዝርከብ ቀያሕታይ ሕብሪ ዘለዎ 'ካርኒክ ኣሲድ' ዝበሃል ትሕዝቶ'ሎ። እዚ ድማ ንመቕይሒ መስተ ወይኒን ቪምቶን፣ ኣብ ማርጋሪንን ማልማላታ፣ ኣብ ኬክን በርገርን፣ ከምኡ እውን ንመስርሒ ሊፕስቲክን ኣዝማልቶን ንኻልኦት ብርክት ዝበሉ ረብሓታትን ይውዕል።

ኣብ ሃገትራ ላቲን ተኽሊ በለስ ከም ፃህያይ ስለዝጥቀምሉ ብዋናነት ጠመተኦም ኣብዚ ልዑል ረብሓ ዘለዎ ሓሰኻ ክኸውን ግድን እዩ። ናብ ትግራይ እንተመፂእና ፍረ በለስ ድራር ዕያል ይሽፍን፤ ገልዑ ድማ ንቐለብ ጥሪት ይውዕል።

ናብ ዓዲ ክኣትው ዝተግብረ እዚ ሓሰኻ በለስ፡ እኹል መፅናዕቲ ተገይርሉ ኣይነበረን። ፀጋ እንተይኮነስ ሓደጋ ከምዝኾነ ምስ ተረጋገፀ ድማ ቅልጡፍ ዝተዋደደ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ዝኸፈአ ፀገም ኮይኑ።

ዝበረሰ ተኽሊ በለስ ዳግም ህይወት ክዘርእ፡ እቲ ዘይተተንከፈ ድማ ጥቡቕ ክትትል ክግበረሉ ኩለ-መዳይ ፃዕሪ ይጠልብ'ሎ።

ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወት ብፅምዲ ዓይኖም እናራኣዩ እውን ክሳብ ሕዚ ዘይተበራበሩ ኣካላት መንግስቲ ከም ዘለዉ ይዝረብ።

በቲ ዝሓለፈ ተጣዒስካ ኣብ ዘይምለስ ጌጋ ደኒንካ ካብ ምቑዛም፡ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ክስራሕ ኣለዎ፡ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ