ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ዝተበሃለ ቀታሊ ጀነራል ሰዓረ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብ ተገሊጹ

ጀነራል ሰዓረ መኮንን Image copyright PM Office

ንኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቐተለ ሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ብሂወት ከምዘሎ ፈደራል ፓሊስ ሎሚ ምሸት ኣብ ዝሃቦ "ማአረምታ" ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ፡ እቲ ሓላዊ ሽዑ ንሽዑ ነፍሰ-ቅትለት ከም ዝፈጸመ ኮምሽነር ፖሊስ ፌደራል ጀነራል እንደሻው ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም ነይሮም።

ካብ መንግስቲ ዝወሃቡ ዘለዉ ተጋራጨውቲ እዋናውያን ሓበሬታታት ምድንጋራት ይፈጥሩ ኣለዉ።

ትማሊ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ዝወጽአ መግለጺ፡ እቲ ቐታሊ ትማሊ ቆሲሉ ከም ዝተትሓዘ ኣፍሊጡ'ኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ፌደራል ግን ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝተውሃበ መግለጺ፡ ሽኡ ንሽዑ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ እዩ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ እዋን ምስቶም ጀነራላት ዝነበረ ሓላዊ ተኲሱ ምስ ቀተሎም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ካልኦት ሓለውቲ ጠያይቲ ዝተኮስሉ እንትኾን ጉድኣት ከም ዘይበጽሖን ናብቲ ዝነበሮ ክፍሊ ተመሊሱ ርእሱ ከምዘጥፈአ ጀነራል እንደሻው ገሊጾም።

ይኹን'ምበር ፖሊስ ፌደራል ኣማሲዮ ኣብ ዘውጽኦ መእረምታ እቲ ቀታሊ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብ ሓቢሩ'ሎ።

''እቲ ሓላዊ ብጀነራል ኣሳምነው ዝተመልመለ ኮይኑ፡ ንባዕሉ ምጥፍኡ እቲ ዝተውሃቦ ልእኸቶ ዓብዪ ሓልፍነት ዝተውሃቦ ምኻኑ የርእይ። እዚ ድማ ኣጥፊእካ ናይ ምጥፋእ ልኡኽቶ እዩ'' ክብሉ እቶም ኮምሽነር ገሊጾም።

ቅድሚ ኣብቲ አብ ባህርዳር ተፈጺሙ ዝተሃህለ 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ'፡ ጀነራል ኣሳምነው ነቶም ናይቲ ክልል ሓለፍቲ ጸጥታ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኣሲርዎም ከምዝነበረ 'ውን ሓቢሮም። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ጀነራል ኣሳምነው ዝነበሩ ሰባት 'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ እቶም ኮምሽነር ገሊጾም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ