"ጀነራል ሰዓረ ኣብ ትግራይ'ዩ ዝቕበር" ሓው ጀነራል ሰዓረ፡ ኣቶ ሓዲሽ መኮነን

ጀነራል ሰዓረ ሞኮነን Image copyright ETV
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ሰዓረ ሞኮነን

ብቐዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓጃቢኡ ዝተቐተለ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ እንዳባጉና ዝርከቡ ስድራቤቱ፡ ኣብ ትግራይ ክቕበር ከም ዝደልዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዓቢ ሓዉ ንጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ኣቶ ሓዲሽ መኮነን'ውን "ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ጽባሕ ሰሉስ ሰዓት 8 [ሰዓት2 ድሕሪ ቐትሪ] ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

ኣግልግሎት ተለቪዝን ኢትዮጵያ'ውን ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝካየድ ኣቓሊሓ።

ኣግልግሎት ተለቪዝን ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ከም ዝግበረሉ ሓቢራ።

ሓላፊት ርክብ ህዘብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ብወገና፡ ስነስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝፍጸምን ነዚ ዘዋድድ ኮሚቴ ከምዝቖመን ገሊጻ።

ጽባሕ ሰሉስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ንኣስከሬን እቲ ጀነራል ኣቀባብላ ዝግበር ምዃኑ እኳ እንተገለጻ ዕለተ ቀብሪ ግን ብቐጻሊ ከምዝግለጽ'ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ወይዘሮ ሊያ ካሳ እቲ ነዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናዞም ክልተ ጀነራላት ከወሃህድ ዝተመዘዘ ኮሚቴ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝቕጽል ውጥናቱ ኣጻፊፉ ከምዘሎ ሓቢራ።

ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ምቕባል ኣስከሬን ፣ ስነ-ስርዓት ምብጻሕ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ከተማ መቐለ፣ ንኽብሪ እቶም ጀነራላት ዝገልጽ ምድላው ኣብ ስታዲዮም ትግራይ ዝዳሎ ናይ ምፍናው ምድላዋት ዝካየድ እንትኾን፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስትያን መቐለ ክፍጸም እዩ። ድሕሪ እቲ ቀብሪ ድማ ስድራ እቶም ጀነራላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ናይ ምብጻሕ ስነ ስርዓት ክካየድ እዩ ክትብል ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓቢራ።

ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓላፊት ሴክሬታሪያት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ጽባሕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስተ ስላሴ ከም ዝፍጸም ሓቢራ ነይራ።

ቢልለኔ ስዩም ብምስዓብ፡ ኣስክሬን ጀነራል ሰዓረ መኮንን ካብ መንበሪ ገዝኡ ክሳብ ኣዳራሽ ሚልዩንየም ብወታሃደራዊ ሰልፊ ተዓጂቡ ከም ዝኸይድን፡ ካብ ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ሚልዩንየም ብዓበይቲ ሰበስልጣንን ቤተ ሰብን ፈተውትን ናይ ምፍናው ስነስርዓት ከም ዝግበሮ'ውን ሓቢራ ነይራ።

ምስ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንበሪ ቤት ጀነራል ሰዓረ ዝተቐተለ ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ኣስክሬኑ ቤተ ሰቡ ብዘቕረብዎ ሕቶ ናብ ትውልዲ ዓዱ ከም ዝልኣኽ'ውን ተገሊጹ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ