ኤርትራ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንተኸተልቲ 'እምነት ሚስዮን' ኣሲሩ

ካቴድራል ከረን Image copyright Mary Harper

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንገለ ኣካየድቲ ናይቶም ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣገልግሎት ክህቡ ዝጸንሑ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከም ዝኣሰሩ ምጭታት ካብ ከረን ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከታማ ከረን ትማሊ ሰንበት ኣባላት ጸጥታ ናብ ቤተክርስትያን 'እምነት ሚስዮን' (ፌዝ ሚሽን) ብምእታው፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ኣመንቲ ከም ዝኣሰሩ ተሓለቐቲ መሰላት ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ ንማዕጾታት ናይቲ ኣቐዲሙ ብትእዛዝ መንግዝስቲ ዝተዓሸገ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ዝርከብ መደበር ጥዕና ቅድስቲ ሉችያ ብምስባር፡ ንሓንቲ ድንግል እትርከቦም ክልተ ኣካየድቲ ኣሲሮም።

እቶም ሎሚ ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣካየድቲ ኣብ 2ይ መደበር ፓሊስ ከረን ተታሒዞም ከም ዘለዉ'ውን እቶም ምንጭታት ተዛሪቦም።

ንሳቶም መፋትሕ ናይቲ ዝተዓጽወ ትካላት ኣየረከብኩምን ተባሂሎም ከም ዝተቐየዱ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ስጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሳምንቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተከርስትያን ናይ ምዕጻው ስጉም'ቲ ምዃኑ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቂሱ።

ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለያ ማእከላት ጥዕና ብምኻድ፡ ነቶም ኣካየድቲ ማእከላት ጥዕና "ኣረክቡ" ብምባል የፈራርሕዎም ከም ዘለውን፡ ነቲ መምርሒ መንግስቲ ምቕባል ዝኣበዩ ድማ ካብቲ ማእከል ጥዕና ብምስጓግ ነቲ ማእከል ጥዕና ዓሺጎም ብኣባላት ጸጥታ ይሕልዉዎ ከም ዘለው ገሊጾም።

ነቶም ኣብ ማእከላት ጥዕና ተዓቑቦም ዝነበሩ ሕሙማት ድማ ናብ መንግስቲዊ ሆስፒታላት ከም ዘሰጋገርዎም ተፈሊጡ።

መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከኣ ናብ ዝምልከቶ ኣካል መልእኽቲ ሰዲዶም ከም ዘለው ሓቢሮም።

ብዛዕባ ምኽንያት መሀገሪ እቲ ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ይኹን ማእሰርቲ ናይዞም ኣካየድቲ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ኣብ መስከረም 2017፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀጽሪ ካተድራለ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መድሃኔ ኣለም ክትዕጾ መምርሒ ከምዝሃበን፡ ነቲ መምርሒ ዝተቓወሙ ሓደ ካህንን ፈላሲትን ተኣሰሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2018 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደራ 5ተ ማእከላት ጥዕና ኣብ ጸሮና፡ መንደፈራ፤ ደቀ-ምሓረ ከምኡ'ውን ኣብ ከረን ዝርከባ ዓጽዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መያዝያ 2019 ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጺሒፎም ነይሮም።