ጀነራል ጻድቃን፡ ሞት ጀነራል ሰዓረ 'ኣብ ኢንተለጀንስ ዓብዪ ጸገም ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ'

ጀነራል ጻድቃን Image copyright Geez media
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ጻድቃን

22 ሰነ 2019 (15 ሰነ 2011 ዓ.ም) ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር፡ ንመንግስቲ እቲ ክልል ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብብጾቶም ተቐቲሎም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፤ ምሸት ሰዓት 09፡00 (3፡00) ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮንን ከምኡ ድማ ብጥሮታ ዝተሰናበተ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ብሓላዊ እቲ ጀነራል ኣብ መንበሪ ቤት ጀነራል ሰዓረ መኮንን ከም ዝተቐትሉ ተነጊሩ።

እዞም ኣብ ክልልን ፌደራልን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት፡ ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታን ምምሕዳርን ክልል ኣምሓራ ብዝነበረ ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዝተዋደዱ ስጉምታት 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' እዮም ክብል መንግስቲ ተዛሪቡ።

'ዕልዋ መንግስቲ' ዝብል መግለጺ መሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድ ክትዓት ይፈጥር'ኳ እንተሃለወ፡ ሹም ኢታማዦር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ "ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ኣይኮነን ዝብል ነገር ነቲ ኩነታት ዝጠቅም ክትዕ ኣይኮነን" ብምባል ይገልጾ።

ጀነራል ጻድቃን፡ ንጀነራል ሰዓረ መኮንንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ማዕረ'ዩ ዝፈልጦም። ክልቲኦም፡ ኣብቲ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ደሓር ድማ መንግስትነት ምስ ሓዙ ብሓባር ብዙሕ ሰሪሖም እዮም።

ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ብኣንደበት ጀነራል ጻድቃን እንትግለጽ፡ ሞዴል ወተሃደራዊ መራሕን ወተሃደርን፣ ጥንቁቕ፣ ኣብ ውሳነ ምሃብ'ውን ንድሕሪት ዘይብል ንፉዕ ወተሃደራዊ ኣዛዚ'ዩ።

"ጀነራል ሰዓረ፡ ዝወሃቦ ልኡኽ ብደንቢ ተረዲኡ ንዕኡ ዘድልዮ ኣማሊኡ፣ ሰራዊት ኣሰልጢኑን ዓሊሙን ዕጥቁ ተቖጻጺሩ፡ ቅድሚ ናብ ውግእ ምእታው ብሰዓራይነት ከም ዝወጽእ ኣረጋጊጹ'ዩ ዝኣቱ" ዝብል ጀነራል ጻድቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ድማ ምትሕውዋስ ዝፈቱ፣ ዝቕልድ፣ ጸገም ታሕተዎት ወተሃደራት ተረዲኡ ፍታሕ ዝህብ ሰብ'ዩ ነይሩ ይብል።

ኢትዮጵያ ሕዚ ነዚ ጀነራላ ስኢናቶ'ላ። ምኽንያት ሞቱ ድማ፡ ንውግእ ሰራዊት ሒዙ ዘሚቱ ዘይኮነ፡ ንደሕንነቱ ክሕሉ ዝተመደበሉ ተራ ወተሃደር ብዝተኮሶ ጥይት ኮይኑ።

"እዚ ብቐሊሉ ዘይርኣይ ዓብዪ ናይ ጸጥታን 'ኢንተለጀንስን' ጸገም ከም ዘሎ'ዩ ዘርኢ ካብ ዝብል ንላዕሊ ካልእ ክዛረብ ኣይኽእልን" ይብል ጀነራል ጻድቃን።

"ኣነ ከም ዝፈልጦ ኣይኮነን'ዶ ክንዲዚ ዝኣክል ተንኮል እናተፍሓሰ፡ ውልቀሰብ ዝገብሮም ንኣሽቱ ነገራት ከይተረፈ ቀልጢፉ'ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ሕዚ ግን፡ ኣብቲ ናይ ጸጥታ መሓውር ክርኣዩ ዘለዎም ነገራት ከም ዘለው'ዩ ዝርድኣኒ።"

ጀነራል ጻድቃን ካብ ዝነበሮ ተሞኩሮ ተበጊሱ፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ትካል ዝሕሉ 'ጸረ መረዳእታ' ዝበሃል ሓይሊ እንትህሉ፡ ንኸም ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝበሉ ዓበይቲ ሰበስልጣን ንክሕሉ ዝምደብ ሰብ በዚ መሓውር ከም ዝጻረ ይገልጽ።

"ጀነራል ሰዓረ ብሓላዊኡ ምቕታሉ ግን፡ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ቀሊል ዘይብሃል ናይ ጸጥታ ጸገም ከም ዘሎ'ዩ ዘመላኽት" ዝብል መደምደምታ ኣለዎ።

Image copyright PMO

መንግስቲ ብወግዒ ካብ ዝበሎ ተበጊስካ፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኻይዱ ዝተብሃለ 'ክልላዊ ዕልዋ መንግስቲ'፡ ምኽንያት ሞት ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ፖለቲከኛታት የካትዕ'ዩ ዘሎ።

ዕልዋ'ዩ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ክትዕ ክኣቱ ዘይደሊ ጀነራል ጻድቃን፡ "እቲ ተግባር ሕማቕን ካብ ሕጊ ወጻእን'ዩ" ብዝብላ ሓጸርቲ ቃላት'ዩ ዝገልጾ።

እቶም ነዚ ተግባር ኣሊሞም ዝተብሃሉ ጥርጡራት፡ ሕዚ ብዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ክልል ሙሉእ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሞም ንኡሽቶ'ዩ ኢሉ ዝወስድ እቲ ጀነራል፡ ብደረጃ ሃገር ዝህልዎ ጽዕንቶ'ውን ብኡ ልክዕ ንኡሽቶ ከም ዝኸውን ይሕብር።

ኩለን ክልላት ናይ ባዕለን ናይ ጸጥታ መሓውርን ኣወዳድባን ዘለወን ስለ ዝኾና፡ ክቆጻጸርኦ ተኽእሎ ከም ዝህሉ የልዕል።

"ካብቲ ክልል ሓሊፉ ካልእ ዝፈጥሮ ጸገም የለን'የ ዝብል። ልዕሊ ኹሉ ግን ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻእ ዝኾነ ኣረመናዊ ተግባር'ዩ። ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ኣይኮነን ዝብል ነገር ድማ ነቲ ዝተፈጠረ ነገር ዝጠቅም ክትዕ ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣብታ ሃገር ልዑል ፖለቲካዊ ጸገም ከም ዘሎ ብዙሓት ይዛረቡ፤ ብፍላይ ሰፊሕ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር፣ ግጭትን ምምዝባልን ይርኣዮ ኣብ ዝነበረ ክልል ኣምሓራ።

"ኣብቲ ክልል ጽንፊ ዝሓዙ ጸገማት የጋጥሙ ስለ ዝነበሩ፡ ናይ ግዘ ጉዳይ እምበር ተዓብዒቦም ዝነበሩ ተተኵሶም ክወጽኡ'ዮም ዝብል ኣረኣእያ ነይሩኒ። ሕዚ ንሱ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ብሓይሊ ድልየቱ ክጽዕን ዝደሊ ዝነበረ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ሓሊፉ ብደረጃ ሃገር እዚ ክገብር ዝሓስብ ዝደሊ ዝነበረ ሓይሊ፡ ገበን ብምፍጻም ወጺኡ ኣሎ" ይብል ጀነራል ጻድቃን።

ጥርጡራት ምሓዝ ጥራሕ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ነዚ ኩነታት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ነቲ ጉዳይ ክፈትሕ ምቹእ ኩነታት ተፈጢርሉ ስለ ዘሎ፡ ብብቕዓት መሪሕካ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ጽቡቕ መበገሲ ክኸውን ከም ዝኽእል የመላኽት።

"ብዝግባእ እንተዘይተታሒዙ ግን ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነሉ ዕድል ኣሎ። ነዚ ነገር ፈቲለሞ ዝብሃሉ ሰባት ጥራሕ ዘይኮኑስ፤ ካልኦት ምትእኽኻባት ክህልው'ዮም። እዚ ነገር ሓደግኡ ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዘመላኽት ነገራት ኣሎ። ክኽፈል ዘይነበሮ ልዑል ዋጋ ተኸፊሉ'ዩ። እቲ ዝመጽአ ኣጋጣሚ ግን እቶም ጸገማት ንምፍታሕ መበገሲ ክኸውን'ዩ ኢለ ይሓስብ"።

እዚ፡ ሃዲእኻ ብብልሓት፣ ካብ ናይ ጽልኢት ፖለቲካ ወጺእካ ክኸውን ኣለዎ ይብል ጀነራል ጻድቃን፡ ብኣማራጺ ሓሳባት ዝኣምን ኣመራርሓ ኣብዚ ጉዳይ ሓያል ስራሕ ክሰርሕ ትጽቢት ከም ዝግበር ድማ ይዛረብ።

Image copyright OPM

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ ነገር "ናይ ህዝቢ ምርጫ ጥሒስካ ብሓይሊ ናይቲ ክልል ስልጣን ሒዘ ከመሓድር'የ ምባል፤ ነቲ ህዝቢ ምንዓቕን ጸርፍን'ዩ" ብምባል እንትገልጾ፡ ካብቲ ክልል ዝሓለፈ ጸገም ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት የብለይን ኢሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ነዚ ተግባር ዘበገሰ ሓይሊ ኣብቲ ክልል ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ብሙሉኡ ኣጥፊኡ ስልጣን ናይ ምሓዝ ዕድሉ ንኡሽቶ ምዃኑ ዝዛረብ ጀነራል ጻድቃን፤ ኾይኑ እንተተብሃለ'ውን ፌደራል ምስ ክልላት ብምዃን ክፈትሖ ዝኽእል ጸገም ምኻኑ ይዛረብ።

"ኣብ ልዕሊ ጀነራል ሰዓረ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን፡ እዞም ሓይልታት ኣብ ክልሎም ንዝገብሩዎ ስራሕ ዕንቅፋት ከይፍጠር ነገራት ንምዝባዕ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ'ዩ" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ