ሶማሊያ-ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲ ሶማሊያ ኣብ 30 ዓመት ፈላሞት ተምሃሮ ኣመሪቑ

ዩኒቨርሲቲ ሶማሊያ ኣብ 30 ዓመት ፈላሞት ተምሃሮ ኣመሪቑ
ናይ ምስሊ መግለጺ ዩኒቨርሲቲ ሶማሊያ ኣብ 30 ዓመት ፈላሞት ተምሃሮ ኣመሪቑ

ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሶማሊያ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት፡ ንፈለማ እዋን ተምሃሮ ኣመሪቑ።

እዚ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብታ ሃገር ኲናት ሕድሕድ ምስተወልዐ፡ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ተዓጽዩ፡ ዳግም ኣብ 2014 ተኸፊቱ።

ትማሊ ሰኑይ ድማ፤ ልዕሊ 130 ተምሃሮ ብዲግሪ ንምምራቕ በቒዑ።

ኣብ 2014፡ 550 ተምሃሮ ጥራሕ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክምዝገቡ እነከለዉ፡ ኣብ 2018 እዚ ቑጽሪ ናብ 5,070 ዓብዩ።

ብዙሓት ተምሃሮ ግን፤ ምስ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ዝተትሓሓዘ ስግኣት ኣለዎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዩኒቨርሲቲ ሶማሊያ ኣብ 30 ዓመት ፈላሞት ተምሃሮ ኣመሪቑ

ተመራቒት ተምሃሪት ዩስራ ዖስማን ሻሪፍ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ እቲ ዓብዪ ማሕለኻ'ዩ ኢላ።

"ትምህርቲ ክጅምር ከለኹ፡ መለለዪ መንነተይ ይሓብኦ ነይረ። ዝኾነ ሰብ ኣበየናይ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝምሃር ክሓተኒ ከሎ ድማ፡ ኾነ ኢለ ዘጋጊ ሓበሬታ ይነግሮ ነይረ"።

ተወሳኺ ዛንታ