መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ፡ ሬሳ ጀነራላት ሰዓረን ገዛኢን መቐለ ኣትዩ

ሬሳ ጀነራል ሰዓረ ኣብ ሚልየኔም ኣደራሽ Image copyright ETV

ሬሳ ሹም ኢታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ትማሊ ረቡዕ ንትግራይ ኣትዩ።

ሰበስልጣን ክልል ትግራይ፡ መራሕቲ ውድብ ህወሓትን ስደራ ቤት ናይቶም ጀነራላትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተቐቢሎሞም።

ኣብቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ ማእከል ከተማ መቐለ ዝኣቱ 10 ኪሜ ጽርግያ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ'ታ ከተማን ከባቢኣን ተቐቢሉዎም።

ብዙሓት መካይን'ውን፡ ነተን ሬሳታት ዝጸዓና መካይን ኣሰንየን ከም ዝኣተዋ ወኪል ቢቢሲ ትግርኛ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ስራቤቶምን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣደራሽ ሚሌንየም ወግዓዊ ናይ ምፍናው መደብ ተኻይዱሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ነባራት መራሕቲ ኢህወደግን፡ ሹም ኢታማዦር ዝነበሩ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስን ሌ/ጀ ጻድቃን ገብረትንሳኤን ተረኺቦም ነይሮም።

Image copyright ETV

ክልቲኦም ጀነራላት፡ ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ቀዳም ምሸት'ዮም ተቐቲሎም። ሞቶም፡ ብፍላይ ድማ ናይቲ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ዝኾነ ጀነራል ሰዓረ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ፈለማ ነብሱ ከም ዝቐተለ ዝተሓበረ ሓላዊ፡ ድሒሩ ብህይወት ከም ዘሎን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብን ኮሚሽነር ፓሊስ ፈደራል ኣብ ዝሃቦ መኣረምታ ገሊጹ።

እቲ ኣብኣቶም ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ቁረብ ሰዓታት ድሕሪ'ቲ ኣብ ከተማ ባሀርዳር፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝተገብረ መጥቃዕቲ'ዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ናይ ባህርዳር መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ምቕታሎም ይዝከር።

ነቲ መጥቃዕቲ ኣወሃሃኢዱ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝተገልጸ ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክልል ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ ኣብታ ከተማ ተቐቲሉ ክብል ፓሊስ ፈደራል ገሊጹ።

ኣፈኛ ናይቲ ክልል፡ ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ዛጊት ኣይተፈልጠን ክብል ሓቢሩ ነይሩ።

ብሰሉስ ኣብ ዝወጸ መግለጺ ድማ 178 ምስቲ መጥቃዕትታት ምትእስሳር ኣለኩም ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት