ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) "ኣብ ኣካለይ ዝበጽሐኒ ማህሰይቲ የለን" ኢሉ

ኣረጋዊ በርሀ

ድሕሪ ምምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ስደት ዘመን ናብ ዓዲ ዝተመለሰ ገዲም ተጋዳላይ ህወሓትን፡ ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ (ትዴት) ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)፤ ትማሊ ኣብ ቀብሪ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ክርከብ ኣብ ዝኸደሉ "ዕስለ መናእሰይ" ከጥቅዕዎ ከምዝፈተኑ ተዛሪቡ።

እንተኾነ "ኣብ ኣካለይ ዝበጽሐኒ መህሰይቲ የለን" ኢሉ።

ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ክርከብ፡ ናብ ቀጽሪ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ክኣትው ኣብ ዝፈተነሉ፡ ብውሽጥን ብደገን ዝነበሩ መናእሰይ "ክኣቱ የብሉን" ኢሎም ከጥቅዕዎ ምስፈተኑ፡ ብሓገዝ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክወጽእ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

ኣብቲ ከይዲ ድማ መካይንን ኣባላት ፖሊስን ብኣእማን ከምዝተወቕዑን፡ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ይከታተሉ ምህላዎምን ተረጋጊጹ'ሎ።

እቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ዘስገኦ ፖሊስ፡ መንብዒ ትኪ ክጥቀም ተገዲዱ እዩ።

ድሕሪ ፈተነ እቲ መጥቃዕቲ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዞባ መቐለ ዝተወሰደ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)፡ ኣማስዩ ኣብ "መዕረፊ አጋይሽ" ከምዝሓደረ ገሊጹ።

እቲ ኣብ 'ባዶ ሽድሽተ ተኣሲሩ' ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑን፡ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይምለስ ምህላዉን ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።

"ሽጉጥ ሒዙ ናብ ሓወልቲ ክኣቱ ፈቲኑ" ዝብል ሓበሬታ'ውን ጌጋ ምዃኑ ሓይሊ ጸጥታ ክልል ትግራይ ገሊጹ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ