መንግስቲ ኤርትራ ማእከላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምህጋሩ 'ሕጋዊ' እዩ ኢሉ

ካተድራለ ኣስመራ Image copyright Getty Images

መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና ድሕሪ ምህጋሩ ንዝቐረብሉ ነቐፌታት ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዳኔላ ክራቨዝ፡ እቲ ተግባር "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘይብሉ" ዘርኢ ፍጻመ እዩ ኢላ ነይራ።

መንግስቲ ኤርትራ ናታ ድምዳመ ኣብ "ዝተጋገየ እምነት" ዝተደረኸ እዩ ኢሉ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ዝወጸ መግለጺ፡ ኤርትራ ሃይማኖትን መንግስትን ዝተፈላለዩላ (ሴኩላር) ሃገር ስለዝኾነት፡ ሓለፋ ዝወሃቦ ሃይማኖት ኮነ ምእመን የለን ኢሉ።

ብምዃኑ ድማ "ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከሳልጡ ኣይፍቀደሎምን፡ ምኽንያቱ ድማ ተኸተልቲ ናይቲ ትካል ዘይኮኑ ሰባት ዘግልል ክኸውን ስለዝኽእል" ይብል እቲ መግለጺ።

ስለዝኾነ ድማ ኢሉ መንግስቲ ኤርትራ "ኩለን ትካላት ሃይማኖት ምምሕዳራዊ ስልጣን ማእከላት ጥዕና" ንሚኒስትሪ ጥዕና ኣሕሊፈን ክህባ ከምዝተገበረ ይገልጽ።

እቲ መግለጺ ከምዝብሎ፡ መንግስቲ ሕጊ ተኸቲሉ እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ።

ቅድም ክብል፡ ካቴሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ነቲ ተግባር ኮኒናቶ እያ። እታ ቤተክርስትያን 22 ማእከላት ጥዕና ተካይድ ነይራ።

ተወሳኺ ዛንታ