ቅልውላው ኣምሓራ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ተቓዋሚ ሰልፊ 'ተኣሲሮም'

ኣርማ ኣብን Image copyright NAMA

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ሰልፊ ኣምሓራ ብሄራዊ ፓርቲ [ኣብን] ልዕሊ 100 ደገፍቱ ተኣሲሮም ኢሉ።

ቅድም ክብል ፖሊስ ምስቲ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ተፈቲኑ ፈሺሉ ዝበሎ 'ዕልዋ መንግስቲ' ርክብ ኣለዎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ከም ዝሓዘ ገሊጹ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ኣብን ክሪስቲያን ታደለ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ደገፍቲ እቲ ሰልፊ ተኣሲሮም ይብል።

"እዚ ማእሰርቲ ደገፍቲ ውድብና፡ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሄር ተኮር ጥቕዓት'ውን'ዩ" ኢሉ።

ትማሊ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ ድማ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘለው ደገፍቲ እቲ ሰልፊ 'ብግፋ' ይእሰሩ ኣለው።

"እዚ ማእሰርቲ ግፋ'ዩ ዝመስል" ዝበለ ኣቶ ክርስቲያን፡ ኣባላትን ኣመራርሓን ኣብን ጥራሕ ዘይኮኑ ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ዝሓሸ ዝበሃሉ ውልቀሰባትን ነበርትን ይእሰሩ ኣለው ኢሉ።

56 ዝኾኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ክፍለ ከተማን ወረዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም'ዮም ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ 50 ዝኾኑ ድማ ኣብ ወለጋ ከም ዝተኣሰሩ ይዛረብ።

ኣብ ኣዳማ ሓደ፣ ጅማ ሸውዓተ፣ ወለንጪቲን ሱሉልታን ድማ 25 ዝኾኑ ኣባላት፣ ኣመራርሓን ተራ ውልቀሰባትን ከም ዝተኣሰሩ'ወን ገሊጹ።

ኣቶ ክርስቲያን፡ እዚ ሓበሬታ ክሳብ ትማሊ ምሸት ዝነበረ እምበር እቲ ቑጽሪ ክውስኽ ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ኣባላትኩም ዝእሰርሉ ዘለው ምኽንያት ንምጽራይ ፈቲንኩም ዲኹም ንዝብል ሕቶ፤ ኣብ ኣዳማ ዝተኣሰሩ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረቡ ብምግላጽ፡ "ኣብ ምንጃር ኣረርቲ ኣብ ዝነበረ ግጭት ብገንዘብ ሓጊዝኩም ኢኹም" ዝብል ምክንያት'ዩ ቐሪቡ ይብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝተኣሰሩ ድማ፡ ምስቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጥረ ጉዳይ ርክብ ኣለኩም ዝብል ምኻኑ የረድእ።

"ንሰላምን ድሕነትን ከምኡ'ውን ምርግጋእ ስግኣት ኢኹም" ተባሂሉ ከም ዝንገሮም ድማ ኣቶ ክርስቲያን ይዛረብ።

ከምዚ ኢልካ ምእሳር ባዕሉ 'ገበን'ዩ' እንትብል፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ብኣቦመንበርነት ዝመርሖ ሰልፊ ኣብ ዝመሓደር ክልል [ኦሮሚያ] ከምዚ ዓይነት እንትፍጠር፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምህዳር ፖለቲካ ንምጽባብን ምውዳብ ተወለድቲ ኣምሓራ ከም ዘየሐጎሶምን ዘመላኽት ኾይኑ ኢና ረኺብናዮ ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰበስልጣን ፌደራል ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተቐትሉ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም

ካብቶም ዝተኣሰሩ ንሓደ ኣባል እቲ ሰልፊ ጥራሕ ኽሲ ከም ዝቐረበሉ ኣቶ ክርስቲያን ገሊጹ።

ኣወሃሃዲ እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ዝተብሃለ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ደሕንነትን ኣምሓራ ዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ድማ ብሰኑይ ብጥይት ተሃሪሙ ምማቱ ፖሊስ ሓቢሩ'ዩ።

እዚ ማእሰርቲ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ቕትለት ሹም ኢታማጆር እታ ሃገር ዝጸምበረ'ውን ምኻኑ ይግለጽ።

ኣሳምነው ጽጌ፡ ኣባል ኣምሓራ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ [ኣዴፓ]ን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን'ዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ኣኽራሪ ኣምሓራ ምዃኑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ዝበለጸ ነጻነት ክህልዎ ጸዊዑ ነይሩ። ኣብዚ ወርሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ክዘውር ኣብ ዝቐነየ ምስሊ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ክዓጥቕ ምዒዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን መጺኡ ፖለቲካዊ ለውጢ ክገብር ካብ ዝጀመረሉ ንነዘ ኣብ ዘለው ጊዜያት፡ ዓሌታዊ ግጭታትን ወጥሪታትን ሰፊሖም'ዮም።

ብቐዳም ብዝተፈጸሙ ቕትለታት፡ ኣብ መላእ ሃገር ተዓጽዩ ዝቐነየ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሕጂ ብከፊል ጀሚሩ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ