ኢትዮጵያ፡ ለውጢታት ኣብዪ ተዓብዒቡ ንዝጸንሐ ብሄራዊ ምክፍፋል እንከቃልዑ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ Image copyright AFP

ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ዝተፈተነ 'ዕልዋ መንግስቲ' ኣካል'ዩ ዝተብሃለ ቅትለት ሹም ኢታማጆር እታ ሃገር፤ ከይዲ እቲ 'ለውጢ' (ሪፎርም) ክንደይ ዝኣክል ንሓደጋ ዝተቓለዐ ምዃኑ ዘመላኽት'ዩ ይብል ኤዲተር ቢቢሲ ኣፍሪቃ ፌርጋል ኪን።

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ስሙ ሓፍ ኢሉ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ሓደ ናይ ለውጢ ሃወርያ ተገይሩ ተሰምዩ ነይሩ።

ብዙሓት እሱራት ፈቲሑ፣ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓላፍነት ኣምጺኡ ከምኡ ድማ ምስ ኤርትራ ዕርቀ-ሰላም ፈጢሩ ተባሂሉ ተሞጊሱ።

ካሊእ ተሪፉ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እንክረኽቦ፡ ብሙሉእ ርእሰ ምትእምማን ኣብ ኢትዮጵያ ሰባት ብኸመይ ሓቢሮም ብሰላም ከም ዝነብሩ ህዝቢ ዓለም ክመሃር ኣለዎ ኢሉኒ ነይሩ።

ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ሚልዮናት

ሕዚ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈቲኑ ኣብ ዝተብሃለ ዕልዋ መንግስቲ የማናይ ኢዱ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ሹም ኢታማጆር፡ ጀነራል ሰዓረ እንትቕተል፡ ዶክተር ኣብዪ ኾነ እቲ ዝጀመሮ ለውጢ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ከም ዘየለ ዘርኢ እዩ።

እቲ ተፈቲኑ ፈሺሉ ዝተብሃለ 'ዕልዋ መንግስቲ' ኣዋሃሂዱ ዝተብሃለ ሰብ ተቐቲሉ፤ ምስቲ ጉዳይ ዝምድና ኣለዎም ዝተብሃሉ ድማ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም'ኳ እንተተበብሃለ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ግንዛበ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ እዚ ናይቲ ታሪኽ መወዳእታ'ዩ ኢሉ ኣይኣምንን።

ብሰንኪ ዓሌታዊ ጎንጺታት 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ። ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ገዛኢ ግንባር፡ ኢህወዴግ ምክፍፋላት እንትርአ፡ ኣብዪ ብጣዕሚ ንሓደጋ ዝተቓለዐ ምዃኑ ትርዳእ።

Image copyright Reuters

ብዝተወሰነ መልክዑ፡ ኣብዪ ባዕሉ ናይ ዝጀመሮ ለውጢ ግዳይ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኢትዮጵያ፡ ባዕለን ዝማሓድራ 9 ክልላት ዘጠቓለለት እያ።

ኣብ እዋን ማርክሲስት ስርዓት ደርግን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ግዝኣታት ኢህወዴግን'ውን እንተኾነ፡ ብሄርተኝነት ብጉልበት ተጸቒጡ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ተዓብዒቡ ዝጸንሐ ዓሌታዊ ቅርሕንቲ ኣብይ ብዘተኣታተዎ 'ነጻነት' ሕጂ ጎሊሑ ወጺኡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ገይሩ ዝቖመ ስርዓት ፌዴራሊዝም'ውን፡ ስምዒታት መሰረት ገይሮም ንዝንቀሳቐሱ ፖለቲካኛታት ዝተቓለዐ እዩ።

ናይ ኣብዪ ታህዋኽ ዝበዝሖ መንገዲ ለውጢ፡ ልፍንቲ ናይተን ኣርባዕተ ብሄራዊ ሰልፊታት ዝኾኑዎ ገዛኢ ግንባር ጥዕንኡ ሓልዩ ክኸይድ ኣይገበረን።

እቲ ከይዲ፡ ብፍላይ ቅድም ክብል ዝነበረ ስርዓት ዓብሊሎም ተባሂሎም ዝእመኑ ተጋሩ ብሰፊሑ ዘግለለ እዩ።

'ቦታና ልቐቑልና'

ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዓሌታዊነት ዘሰጉሙ ገለ ኣናእሽቱ ጉጅለታት ተፈጢሮም። እቲ ነዚ ተፈቲኑ ዝተብሃለ 'ዕልዋ መንግስቲ' ኣዋዲዱ ዝተብሃለ ሓላፊ'ውን እንተኾነ፤ ኣብቲ ክልል ሕጋዊ ዘይኮነ 'ዓሌታዊ ሚሊሻ' (ነጭ-ለባሽ) የሰልጥን ነይሩ ተባሂሉ እዩ ዝውንጀል።

ቅድም ክብል ናብ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ተጓዒዘ ነይረ፤ ናብ 700 ሺሕ ዝጽጋዕ ቁጽሪ ዘዕቆበ ማእኸል ስደተኛታት ድማ ርእየ። እቲ በዝሒ ተመዛባልን እቲ ሰቖቓን ክትሓስቦ ከቢድ እዩ።

ሓንቲ ናብዚ መዕቆቢ ስደተኛታት ንምብጻሕ ሰሙናት ዝተጓዓዛ ዓባይ ሰበይቲ ዝበላኒ ዘኪረ።

"መጀመርታ ብሰላም ኢና ንነብር ነይርና። ኮይኑ ግና እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኦሮሞ፤ 'ቁጽርኹም እናወሰኸ ስለዝመጽአ ቦታና ክትለቁልና ኢና ንደሊ ኢሎምና ። ካብኡ ጎንጺ ተወሊዑ። ሰብኡትና ሓሪዶሙዎም። ንደቅና ድማ ቀቲሎሞም። ብዚ ምኽንያት ኢና ናብዚ መጺና"።

ከም ሓደ ኣብ ኣውሮፓ፣ ኤስያን ኣፍሪቃን ተመሳሰልቲ ዓሌታዊ ጎንጽታት ዝተዓዘበን ዝጸብጸበን ሰብ፤ ቃላት እተን ወላዲት ከምኡ ኮይኑ ረኺበዮ።

ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኣብዪ ዘሎ ኩነታት ምሕደራ ውልቀ-ምልኪ ክልወጥ እንትጅምር ዘርእዮ ባህሪ እዩ።

ኣብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ዓሌታዊ ጽልኣት ኣይጠፍእን። ይኹን'ምበር ተደጒሉ እዩ ዝጸንሕ።

ኣብ ታሪኽ፡ ብዙሓት ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ዩጎዝላቭያ ኣብ ትሕቲ ዮሴፍ ብሮዝ ቲቶ ንነዊሕ እዋን ምስተመሓደረት ዝኾነቶ ምዝካሩ ቀሊሉ እዩ። ይኹን'ምበር ዓሌታዊ ምጽናት ክጋደድ፤ ካልኦት ነቲ ኩነታት ዘባልሑ መራሕቲ'ውን ነይሮም።

ብርግጽ ኣብይ ከምኣቶም እዩ ኣይብልን። እቲ ራእዩ ሰፊሕን ሓቓፍን ይመስል። እንተኾነ ግና፣ ካብ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝተብሃለ ነቓፊኡ ዘውጋዓኒ ዘኪረ።

"ኣብዪ፡ ህንጡይን ተጸላውን ሰብ'ዩ። ነቲ መንእሰይ ይውክሉ'ዮም ኢሉ ዝሓስቦ ዳርጋ ማዕበል ክልውጥ ናይ ምድላይ ባህጊ የንጸባርቕ'ዩ። ግን ድማ፡ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ኣዋርሕ፣ ዓመታት...ናብ ዘይረብሕ ነገር ብምምጻእ ነገራት ኣቕሊሉ ክርኢ ይፍትን።"

ሎሚ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተጠንቂቑ ክሰርሕ ኣለዎ። ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ካብ 250 ንላዕሊ ሰባት ምእሳሩ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ተቓውሞ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኢንተርኔት ምዕጻዉ፤ ነቶም ጸላእቱ ናይ ጎስጓስ ዓቕሞም ንምድኻም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን'ምበር፤ እዚ ኣብዪ ክፈጥሮ እየ ኢሉ ዝኣተዎ ዓይነት መጽብዓ መንግስቲ ዝጻረር እዩ። ዝኣተዎ ቃል ዝዓጽፍ እዩ።

ሕጂ እታ ሃገር ብሕሜትን በለካን ለኽዓካን እያ ተመሊኣ ዘላ።

መረጻ 2012?

ዝመጽእ ዓመት መረጻ ዝካየደሉ እዋን እንተኾነ'ኳ ብኣግኡ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥርጣረታት የስምዑ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባብያዊ መረጻ፡ ብሰንኪ ጎንጽታትን ዘይምርግጋእን ክተሓላለፉ ክኢሎም እዮም።

ሓላፊት ቦርድ መረጻ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣዛሪበያ ነይረ፤ መረጻ ክካየድ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዋ።

Image copyright AFP

"ብርግጽ፤ ህንጸት መዋቕራዊ ዲሞክራሲ ዝያዳ ምትሕግጋዝ ዘድልዮ እዩ። ካብኡ ድማ ነጻን ትርጉም ዘለዎን መረጻ ምክያድ ግድን እዩ። ዘይሻራዊ ትካላት መረጻ ክህልው የድሊ። ኣብዚ እዋን ዝሓሸ ነገር ክንሰርሕ ኢና ኢለ እምነ"።

ይኹን'ምበር ሕጂ እቲ ኩነታት ጸጥታ እዛ ሃገር ክመሓየሽ እንተዘይኽኢሉ እቲ መረጻ ክደናጎ ከም ዝኽእል ንሮይተርስ ተዛሪባ።

ኾይኑ ግና፤ መረጻ ምስራዝ እቲ ተጻብኦታት ክጋደድ እዩ ዝገብር። ኣብ መንጎ ድሕነትን ነጻነትን ዘሎ ሚዛን ምፍላጥ ከቢድ ኣይኮነን።

ብሄር መሰረት ዝገበረ ግንባር ሒዝካ ለውጢ ምምጻእ ንኣብዪ ዝኸበዶ ይመስለኒ። ንእሽተን ትዕግስቲ ወሳንነትን ከድልዮ እዩ።

ኣብ መንግስቲ ድማ ናይ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ድሌታትን ምትዕራቕ ከድሊ እዩ። ኣብዪ ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎ ትኩስ ሓይሊ፡ ዝያዳ ናይ ሰብ-ዕድመ ጥበብ የድልዮ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ