ኢትዮጵያ ፡ ቆርበትን ስጋን ሓርገጽ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ዕዳጋ ስኢኑ?

ሓራግጽ Image copyright Getty Images

ኢትዮጵያ ናብ ደገ ሰደድ ብምግባር ሸርፊ ወጻኢ ካብ እትረኽበሎም ፍርያት እቲ ሓደ ስጋን ቆርበትን ሓርገጽ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ፍርያት እናሃለወ'ውን ናብ ዕዳጋ ዓለም ምቕራብ ከም ዘይተኸኣለ፡ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ደቡብ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብቲ ቢሮ ምኽትል ሓላፊ ዘፈር ቱሪዝም ኣይተ ለማ መሰለ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ደቡብ ዝመሓደር ጣብያ ምርባሕ ሓርገጽ ብ1976 ኣ.ኢ ከም ዝተጣየሸ ተዛሪቡ።

"ቀንዲ ዕላምኡ ዓሌት ሓርገጽ ናይል ዓቂብካ ንምጽናሕ'ዩ" ዝብል እቲ ምኽትል ሓላፊ፡ ስግኡን ቆርበቱን ንናይ ደገ ዕዳግ ንምቕራብ ብምዕላም፡ ዘመናዊ መዕረዲ ቦታ ተዳልዩ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ግን እቲ ስጋን ቆርበትን ሰደድ ምግባር ከም ዘይተኸኣለ ይዛረብ ኣይተ ለማ።

ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 1500 ቆርበታት ተኣጂሎም ንዕዳጋ እንተተዳለዉ'ኳ ዝገዝእ ምርካብ ኣይተኽኣለን። ነቲ ስጋ ዝገዝእ ስለዝተስኣነ'ውን መሊስካ ንመግብነት እቶም ሓርገጽ ከም ዝወዓለ ገሊጹ።

እቲ ቆርበት ናብ ዕዳጋ ዓለም ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ክሳብ 5 ሚልዮን ብር [ገንዘብ ኢትዮጵያ] ኣታዊ ይርከብ። እዚ ድማ ናይቲ መንግስቲ ነቲ መራብሒ ጣብያ ዝብጅቶ 8 ሚልዮን ብር በጀት፡ ልዕሊ ፍርቂ ይሽፍን።

"ቆርበት ሓርገጽ ብሴንቲ ሜትር'ዩ ዝሽየጥ፤ ሓደ ሴንቲ ሜትር ብኣርባዕተ ዶላር ይሽየጥ" ክብል ኣይተ ለማ ይዛረብ።

ዕድሚኦም ካብ 8 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ሓራግጽ ንማሕረዲ ስለዘይኮኑ፡ ንመስሕብነት ቱሪዝም ይውዕሉ።

እኹል መዋሃሃዲ ስጋ ማሽን ብዘይምህላዉ፡ ደረጅኡ ዝሓለወ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘይተኽኣለ ኣይተ ለማ ይዛረብ።

ቅድሚ ሕጂ እቲ ስጋ ናብ ሃገራት ፈረንሳ፣ ጣልያንን ኣወስትራልያን ብበዝሒ ይለኣኽ ምንበሩ'ውን ኣዘኻኺሩ።

ዕዳጋ ንምንታይ ነክዩ?

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቁጠባ ዓለም ዘጋጠመ ቁጠባዊ ምዝሕሓል፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዕዳጋ ሓርገጽ ጽዕንቶ ከም ዘሕደረ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ደቡብ ምኽትል ሓላፊ ዘፈር ቱሪዝም ኣይተ ለማ መሰለ ይዛረብ።

"ካብ ቀላያት ጫሞን ኣባያን ሓራግጽ እናምጻእና፡ ነቲ ናይ ምርባሕ ስራሕ ኣይንሰርሕን ዘለና" ዝበለ ኣይተ ለማ፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ቆርበት ምሻጥ ከም ዘይተኽኣለ ኣረዲኡ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ እቲ ቀረብ ውሑድ ብምዃኑ፡ 2 ሽሕ ቆርበት ጥራይ ንምግዛእ ዝመጽእ ኩባንያ የለን።

"ቀንዲ ቆላሕታ መንግስቲ ንዓሌት እቲ ዓሳ ምዕቃብ እንተኾነ'ውን፡ ነቲ ንግዲ ንዘካይድ ውልቀ (ብሕቲ) ትካል ዕድል እንዝፍጠር ጽቡቕ'ዩ" ይብል እቲ ምኽትል ሓላፊ።

ነዚ ብዝምልከት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ሓድሽ ትልሚ ንምድላው ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ