ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ለጋምቦ፡ ሓሙሽተ ሰባት ብዕስለ ተቐቲሎም

ካርታ ደቡብ ወሎ

21 ሰነ 2011 ዓ.ም ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ደቡብ ወሎ፡ ወረዳ ለጋምቦ፡ '' ህጻናት ክሰርቁ እዮም'' ብዝብል፡ ሓሙሽተ ሰባት ብነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ብዕስለ ተቐጥቂጦም ከም ዝተቐትሉ፡ ኣመሓዳደሪ ወረዳ ለጋምቦ ኣቶ ኣባተ ኣረጋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ ኣባተ ከም ዝበሎ፡ እቶም ሰባት ኣብ መንበሪ ገዛ ሓደ ውልቀ ሰብ ዓሪፎም ነይሮም።

ኣብቲ ከባቢ እናተንቀሳቐሱ ድማ ''ህጻናት ጨውዮም ክወስዱ እዮም'' ዝብል ዘይተጻረየ ሓበሬታ ኣብቲ ከባቢ ተባጺሑ ስለዝነበረ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣጥቂዑዉም።

ብዝበጽሖም ዘስካሕክሕ መውቃዕቲ ድማ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተዛሪቡ።

ኣብቲ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ዝተቐተሉሉ ከባቢ፡ ከባቢ 300 ሰብ ከም ዝነበረን፤ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸርዎ ብዘይምኽኣሎም ከም ዝሃደሙ ሓቢሩ።

እቶም ውልቀ ሰባት ''ህጻናት ጨውዮም ክወስዱ እዮም፤ ዝብል ምድንጋር ተፈጢሩ ነይሩ'' ዝብል ኣቶ ኣባተ፡ ''ከምኡ እንተዝገብሩ 'ኳ ንሕጊ ኣሕሊፍካ ምሃብ እምበር፡ ብኸምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ኣገባብ ክቕተሉ ኣይምተገበአን'' ኢሉ።

ነቲ ተግባር ብምኹናን፡ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ይመያየጡ ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ለጋምቦ ኣቶ ከበደ ይማም ብወገኑ፡ ነቶም ሰባት ብምቕታል ካብ ዝተጠርጠሩ ዛጊድ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝወዓሉ፡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

''እዚ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ተግባር ዝተፈጸመ ቆልዑ ከይተጨወዩ፡ ብጥርጣረ ጥራሕ እዩ። ህዝቢ ብዕስለ ፍርዲ ክህብ ከምዘይብሉ 'ውን እናተዘራረብና ኢና'' ኢሉ ኣቶ ከበደ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ደቡብ ወሎ ሓንቲ ህጻን ተጨውያ ተወሲዳ ዝብል መረዳእታ ተዘርጊሑ ነይሩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ኣብቲ ከባቢ ቆልዓ ምስ ምጭዋይ ዝተሓሓዝ ክስተት ኣጋጢሙ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።

እቶም ውልቀሰባት ካብ ኣዲስኣበባ፣ ከሚሴ፣ ሳይንትን ደሴን ናብቲ ወረዳ ዝኸዱ ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ግን ካበየናይ ከባቢ ከም ዝኸደ ከም ዘይፍለጥ ኣይተ ከበደ ተዛሪቡ።

ኣዝማዶም ንምሕታት ናብቲ ከባቢ ከም ዝኸዱ ብምሕባር፡ እቲ ትኽክለኛ ምኽንያት ክሳብ ዝጻረ ግን ዘዕረፎም ውልቀ-ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ገሊጹ።

ኣብ መለለይ መንነት 'ታሴርኦም' ዘሎ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ድማ፡ እቶም ሰባት ኣብ ሕርሻን ንግዲን ዝተዋፈሩ'ዮም።

"ብኣብትርትን ፋስን'ዩ ጥቕዓት ተፈጺምዎም። ኣብቲ ከባቢ ተኹሲ'ውን ነይሩ" ክብል ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳርን ሓላፊ ኣይተ ከበደ ሓቢሩ።

ሬሳ ግዳያት ናብ ቤተሰቦም ከም ዝተልኣኸን ቀብሪ ከም ዝተፈጸመን ወሲኹ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ