ውሕሃ፡ 'ኤርትራውያን ተረባሕቲ ሰላም ብዘይምዃኖም፡ ሃገሮም ገዲፎም ይስደዱ ኣለዉ'

ፍልይቲ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ Image copyright UN Web TV
ናይ ምስሊ መግለጺ ፍልይቲ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ

ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየትን፡ ኤርትራውያን ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ሰላም ተጠቀምቲ ከም ዘይኮኑን፡ ናብኡ ገጹ ዝኸይድ ኣንፈት ከም ዘየለን፡ ፍልይቲ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ ገሊጻ።

እታ ፍልይቲ ወኪል፡ ኤርትራ ንዝፈረመትሉ ዓለምለኻዊ ውዕላት ሰባዊ መሰላት ብምኽባር፡ መሰል ዜጋታታ ክትሕሉ ጸዊዓ።

ንሳ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝወዓለ መበል 41 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጉዳይ ሰባዊ መሰላትን ኣተሓሕዛን ኤርትራን ኣብ ዝዘተየሉ ኣጋጣሚ'ያ ነቲ ጸብጻብ ኣቕሪባ።

"ኤርትራን ኢትዮጰያ ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ካብ ዝፈራረማ ዓመተ መሊኡ ኣሎ፡ ኤርትራ ግን፡ ድሕሪ'ዚ ውን ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ዋላ ሓንቲ ዝጭበጥ ለውጢ ኣየርኣየትን። በዚ ሰላም እዚ ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ኣይርኣየን፤ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ወርሒ ኣማኢት ሰባት ካብ ሃገሮም ይስደዱ ኣለዉ" ኢላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ዘይሕጋዊ ምቕያድ ዜጋታት ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ምዃኑ ተዛሪባ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብወገኑ፡"ኣብ ዝሓለፈ 8 ዓመታት፡ ኤርትራ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ግዳይ ናይ መሰረት ዘይብሉ ናይ ሰባዊ መሰላት ቅልውላዉ፡ ፍሉይ እማመታትን ተልእኾታትን ኮይና ጸኒሓ'ላ" ኢሉ።

Image copyright UN Web TV
ናይ ምስሊ መግለጺ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ (የማን) ምስ ቢንያም በርሀ (ጸጋም)

"ቀንዲ ዕለማ ናይቲ ፍሉይ ተልእኾ ድማ፡ ንኤርትራ ንምጽላም፡ ምንጻልን ከምዘይትረጋጋእ ንምግባርን፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ንዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን ንምዝራግ'ዩ።"

ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራት ትካላዊ ብድሆታት ከም ዘለዋ ብምሕባር ምስ ኩሉ ጸጥታውን ቁጠባውን ብድሆታት ኣብ ሽቶ ሚለንም ዝምስገን ውጽኢት ከም ዘመዝገበት ብምሕባር ነቲ ዝቐረበ ክሲ ነጺጉዎ።

ኣብ ግንቦት፡ መንግስቲ ብዙሓት ኣመንቲ ኢቫንጀሊካውያን ኣብያተ ክርስትያናት ከም ዝተኣስሩ እታ ፍልይቲ ወኪል ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ገሊጻ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓደ ሰይድ መሓመድ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝሞተ ኤርትራዊ መንእሰይ ብምጥቃስ፡ ንኩነታት ኣተሓሕዛ እሱራት መንግስቲ ኤርትራ ነቒፋ። እቲ ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾነ ኣቶ ሰይድ መሓመድ፡ ኣብ መጋቢት 2018 ከም ዝተኣስረ'ውን ኣብቲ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ሓቢራ።

ምዕጻውን ምእጋድን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ድሕሪ'ቲ ጳጳሳት ናይታ ቤተክርስትያን ዘቕረብዎ ናይ ዕርቂ፡ ሰላምን ጸገናን መጸዋዕታ ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ ኢላ።

Image copyright UN Web TV
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጣባቒት መሰላት ኤልሳ ጭሩም (የማን) ኣብ መባባእያ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት መግለጺ ሂባ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ ብመሰረት እቲ ኣብ 1995 ዝወጸ ኣዋጅ ዝተወስደ ምዃኑ'ኳ እንተገለጹ፡ ግብረመልሲ ናይቲ እቶም ጳጳሳት ዘቕርብዎ ዘለዉ ናይ ምሕደራ ነቔፈታት'ዩ ይብሉ ብዙሓት ተንተንቲ።

እታ ፍልይቲ ወኪል ሰባዊ መሰላት፡ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ፡ ፍትሕን፡ ኣተግበርቲ ሕጊ ዝኾኑ ትካላት ክተሐይል ይግባኣ ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን፡ ግዱድ ምስዋርን ይቕጽሎ ምህላዉ ኣዝዩ ከም ዘሻቕላ ገሊጻ።

ጉዳይ ሲሃም ዓሊን ሚኒስትር ብርሃነ ኣበረሀን ብዓልቲ ቤቱን፡ ኣብነታት ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ብዘይሕጊ ዝተቐየዱ እሱራት ምዃኖም'ውን ጠቒሳ።

ኣብቲ መጋባእያ፡ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ማሕበራት ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝበልኦ ምግሃስ መሰላት ምስክርነተን ኣቕሪበን።

ወኪላት ኣባላት ሃገራት ድማ ኤርትራ ምስታ ፍልይቲ ወኪል ሰባዊ መሰላት ክትተሓባበርን፡ ኣብ ጉዳያት መሰላት ለውጢ ክትገብርን ጸዊዐን። ገለ ሃገራት'ውን፡ እቲ ጉዳይ ሌላን ጉሌላን ዝፈጥርን፡ ንፓለቲካዊ ኣጀንዳ ክውዕል የብሉን ክብላ ንመርገጺ ኤርትራ ደገፈን ገሊጸን።