ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 'ዝዓጹ' ዘሎ?

ካተድራለ ኣስመራ Image copyright Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት መንግስቲ ኤርትራ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክመሓደራ ንዝጸንሓ 22 ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ድሕሪ 'ምዕጻው'፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከብ ህዝብን ካህናትን፡ "ዓገብ" ብምባል መንግስቲ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ተማሕጺኖም።

እንተኾነ መንግስቲ ሕጋዊ መገዲ ተኸቲሉ ነተን ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ከም 'ዝሃገረ' ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ምስ ሓበረ፡ ብዙሓት ኣይግድን ኢሎም።

ካህናት ከኣ "ኩሉ ነገር ካብ እግዚኣብሄር እዩ'ሞ ወሪዱና ንዘሎ መዓት ከቑርረልና ናብ ፈጣሪ ንጸሊ" ብምባል ጸሎትን ምህለላን ኣዊጆም። ግን ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣስታት 20 ዓመታት ዘገልገላ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ዝርከብአን ትካላት ጥዕና ክዕጸዋ ኣዚዙ?

ነፍሲ ወከፍ ክሊኒክ መፍትሓ ክተረክብ ክትሕተት እንከላ፡ ኣካየድቲ እተን ትካላት ጥዕናን ዝምልከቶም ሓለፍትን ካህናትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን "ስለምንታይ ኢና ኣገልግሎት ክንዓጹ ንሕተት ዘሎና? እንታይ ኢና ኣቢስና? ዘጉደልናዮ ነገር እንተልዩ ይነገረና'ሞ ከነዐርን ክነመሓይሽን" ኢሎም ሓቲቶም።

ኣቡነ ፍቕረማርያም፡ " ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ፡ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክቕጽላ ዘይደለየ? ስለምንታይ'ከ እቲ ዝደልዮ ብሕግን ኣገባብን ዘይፍጽሞ" ሰላማውያን ህዝቢ ክነስና ስለምንታይ ኢና ብብረት ንሕሎን ንሕተትን" ብምባል፡ ዝምልከቶ ኣካል ብሕግን ሕጋዊ መገድን ከዛርቦምን ክምልሰሎምን ጸዊዖም።

መልእኽቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ናይ ልመናን ምሕጽንታን ጽሑፍ ኮይኑ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ካብ እትፍጠር ኣትሒዛ፡ ንህዝቢ ኣማኒ ካቶሊክ ይኹን ተኸታሊ ካልእ እምነት ዓቕማ ብዘፍቅዶ፡ ትምህርታውን ሕክምናውን ሓገዛት ክትገብር ከምዝጸንሐት ብምጥቃስ፡ "ኣብ ሎሚ በጺሕና ደኣ እንታይ ኣቢስና - ንዝተወጽዐ ህዝቢ ክንዲ ዘገልገልናን መንፈሳውን ስጋውን ግቡእና ስለዝፈጸምና ስለምንታይ ንዕጾ?" ክብሉ መንግስቲ ምኽንያት ውሳኔኡ ክነግሮምን ምእንቲ እቶም ግዱዓትን ሕሙማንን ህዝቡ ክብል ንውሳኔኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ብትሕትና ተማሕጺኖም።

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዳኔላ ክራቨዝ፡ እቲ ተግባር "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘይብሉ" ዘርኢ ፍጻመ እዩ ድሕሪ ምባላ መንግስቲ፡ ነቶም ኣቐዲሞም ሕቶ ዘቕረቡ ኣቡን ዘይኮነስ፡ ነቶም ንትካላት ጥዕና ብምዕጻው ንዝነቐፉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒሙ፡ ነቲ ትካላት ከም ዝሃገረን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ።

ንወቐሳ እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ "ዝተጋገየ እምነት" ዝተደረኸ እዩ ብምባል፡ ኤርትራ ሴኩላር ሃገር ስለዝኾነት፡ ሓለፋ ዝወሃቦ ሃይማኖት ኮነ ምእመን ከምዘየሎ ብምጥቃስ፡ "ትካላት ጥዕና እምነታት ንኻልኦት ሰባት ዘግልል ክኸውን ስለዝኽእል፡ ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከሳልጡ ኣይፍቀደሎምን" እዩ ብማለት "ኩለን ትካላት ጥዕና ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ንሚኒስትሪ ጥዕና ከረክባ ከምዝተነገራን ንኹሉ ከኣ ሕጋዊ መገዲ ተኸቲሉ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ።

እንተኾነ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሓያሎ ተገልገልቲ ጥዕና ኮነ ንሰብ ሞያ እተን ትካላትን ኣየዕገበን። ኣብ ሃገረ እስራኤል ተሰዲዶም ዝነብሩ ኣገልጋሊ ኣርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣባ ሰመረኣብ ፍስሃየ፡ ካብቶም ብምላሽ መንግስቲ ኤርትራ ዘይዓገቡ ሓደ እዮም።

Image copyright AS
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሃገረ እስራኤል ተሰዲዶም ዝነብሩ ኣገልጋሊ ኣርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣባ ሰመረኣብ ፍስሓየ

ንሶም "ቀደሙ'ኸ መንግስቲ ምስ ትካላት እምነትን ንሳተን ዝህበኦ ኣገልግሎትን መዓስ ረድዩ (ኣሚኑ) ተቐቢሉዎ ይፈልጥ። እዚ ስርዓት ንትካላት እምነት ብወተሃደራት ዘመሓድር ስርዓት፡ 'ጸረ እምነት' ስለዝኾነ፡ ሕጂ ኣብያተ ሕክምና ብምዕጻው ክንድነቕ የብልናን" ብምባል፡ ንሶም ንባዕሎም ካብ ሃድንን ማእሰርትን እቲ መንግስቲ ሃዲሞም ኣብ ሃገረ እስራኤል ይነብሩ ከምዘለው ሓቢሮም።

ምዕጻው እዘን ትካላት ዘስደመሞ ዝኾነ ይኹን ወገን፡ መንግስቲ "ምናልባት'ዶ ኾን በዚ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንህሉው ኩነታት ሃገር ኣመልኪቶም ብዝጽሕፉዎ ዘለው መልእኽቲ ሓሪቑን ተቖጢዑን ይኸውን ዝብል ርእይቶ እቲ ኣብ ሓሳብ ነብሲ ወከፍ ዝመጽእ እዩ ይብል ኣብ ሚላኖ ዝነብር ሰዓቢ እቲ እምነት ኣብርሃም መሓረና።

ንሱ ንኣብነት ኣብ ሔቦ እትርከብ ናይ ላዛሪስት ሕክምና ንብምሉኡ እቲ ከባቢ ቀዳማይ ረድኤት እትህብ፡ ንብዙሓት ዘኽታማት ሕጻናት ዘዕበየትን ዘምሃረትን ትካል ምዃና ይሕብር።

እቲ "ንካልኦት ኣመንቲ ዘግልል ክኸውን ስለዝኽእል" ዝብል ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣመንቲ ካቶሊ ኣብ ዘይብሉ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ ሆስፒታልን ክሊኒክን ከፊቱ ንህዝቢ የገልግል ምንባሩ፡ ካብቲ ሕጂ ብዘይእመን ምኽኒት ክውንጅል ዝፍትን ዘሎ ስርዓት ንላዕሊ ዝፈልጥ የሎን፤ እቲ ባእሲ ምስ ካቶሊክ ዘይኮነ ምስ ህዝቢ እዩ"" ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።

ኣባ ሰመረ ብወገኖም "ኣብ ሓደ እዋን ኣነ ንባዕለይ፡ መድሃኒት ናይ ኣዝማ ተሳኢኑ ኣብ ሆስፒታል ድግሳ ከይደ ተሓኪመን መድሃኒት ረኺበን። ኣነ መኖኮስ ኣርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን እየ - ካህን ካቶሊክ ኣይኮንኩን። ኣብቲ ብካቶሊክ ዝተኸፍተ ኣብያተ ሕክምና ብዙሕ ተኸታሊ ካልእ እምነታት ክሕከም ርእየ እየ" ብምባል ምስክርነቶም ሂቦም።

እቲ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብተደጋጋሚ ስለዝጽሑፉን ዝነቕፉን'ዶኾን ደኣ ኾይኑ ንትካላት ሕክምና ዓጽዮመን ዝበሃል ዘረባ እውን እንተኾነ፡ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ቀደም እውን ሃዋርያዊ መልእኽታቶም ጽሒፎም እዮም።

Image copyright ABRIHAM MEHARENA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሚላኖ ዝነብር ሰዓቢ እቲ እምነት ኣብርሃም መሓረና

ኣብ ሓምለ 1991 ንኣብነት፡ ሰራዊት ሓርነት ንስርዓት ደርግ ስዒሩ ናብ ርእሰ ከተምኡ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ "ሰላምን ምዕብልናን ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ!" ብዝብል ኣርእስቲ እግዚኣብሄር፡ ብደቁ ገይሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገበረሉ ረድኤት ብምምስጋን፡ ካብ ውግእ ብዙሕ ነገር ስለዝተመሃርና ድሕሪ ደጊም ውግእ ክድገም ከም ዘይብሉ፤ እቲ ሽዑ ብብረት ዝተረጋገጸ ናጽነት ሕጋውን ወግዓውን ዓለም ለኻዊ ልባስ ንኪረክብ ክስራሕ ከምዝግበኦ፤ መለክዒ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ወዲ ሰብ ስለዝኾነ፡ ወዲ ሰብ ዓንዲ ማእከል ወይ መሰረት ብምዃኑ፡ ክእለቱ ከማዕብል ክመሃርን ክመራመርን ሓሳቡ ብናጽነት ኪገልጽ፡ ሕልናኡ ብዘብርሃሉ ሃይማኖትን እምነቱን ክኽተል፡ ብወገን ኤኮኖሚ ከኣ ክሰርሕ ክምህዝ ክተባባዕ ምሉእ መሰል ከምዘለዎ ምርግጋፅ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ኣስዒቦም ምዕባለን ዕቤትን ዝረጋገጽ፡ ወዲ ሰብ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን መሰረታዊ መሰላቱ ክጭብጥ ምስዝኽእል እዩ ብምባል " ሃገር ንምህናጽ ሃረር ብምባል ብዘይ ምፍላጥ እውን ክኸውን ይኽእል፡ ንናይ ውልቀ ሰብ ክብርን ግምትን ብናይ መሳርዓትን ቴክኒካዊ ግድነታትን ኪልወጥ ስለዝርከብ ንናይ ኩሉ ግብርን ግምትን ኣዘናቢሉ ሓዲስ መልክዕ ባርነት ምዝመዛን በለጽን ኬስዕብ ስለዝኽእል ምጥንቃቕ ዝብል መልእኽቲ አሕሊፎም።

ኣብ ዓስራይ ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪ እቲ ህይወት 20 ሽሕ መንእሰያት ዝቐዘፈን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ኢትዮጵያን ከባቢ ዶባትን ዘመዛበለ ፍጻሜ፡ ኣብ ግንቦት 24 2000፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝምዕድን ዝመክርን " ነዛ ሃገር እግዚኣብሄር የፍቅራ እዩ!' ዝብል ሃዋርያዊ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ብድሕሪኡ እውን ሓውኻ ኣበይ ኣሎ እትብል ህዝብን መንግስትን ኩነታቱ ንኺምርምር እትጽውዕ፡ ንህልቂት መንእሰያት ኣብ ላማፓዱሳ ምኽንያት ብምግባር፡ እቲ ካብ እግዚሄር ዝረሓቐ ናብ እግዚኣብሄሩ ክምለስ እቲ ካብ ሕጊ ዝረሓቐ ከኣ ናብ ሕጊ ክምለስ ጸዊዖም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እውን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ዕርቀ ሰላም ብምምስጋን እሱራት ክፍትሑ፡ ዝተሰደ ክምለስ፡ መነባብሮ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተንከፈ ዶባት ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ብዘርብሕ ኣገባብ ተሓንጺጹ ንቡር ህይወቱ ንክሕደስ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ጻዕሪ ንኪግበር ጸዊዖም እዮም።

እዚ ናይ ሕጂ ዝተኻየደ ናይ ምዕጻው ትካላት ጥዕና ስጉምቲ ግን ብዝያዳ ንህዝብን ተገልገልትን ዝሃስን ዘዳኽምን ብምዃኑ፡ ንሲስተር ንግስትን (ስማ ንድሕነታ ተቐይሩ እዩ) ከም መጎስ ዝኣመሰሉ ኣብ ኤርትራን ስደትን ዝርከቡ ሞያውያን ሕክምና መንግስቲ ንረብሓ ህዝቢ ክብል ንውሳነኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉን ምስ ህዝቡ ክዕረቕን ተማሕጺኖም።

ተወሳኺ ዛንታ