ዶክተር ዘቢብ፡ “ሓደ ሰብ፡ 'ነዚ ዕድል ክትረኽብዮ ኢኺ ፈትኒ' ዝብል መልእኽቲ ሰዲዱለይ”

ዶክተር ዘቢባ ዮኑስ ኑሩ ኣብ ቤተመንግስቲ ጀምስ ሮያል ፋሚሊ 10 ሰነ 2019 Image copyright ZEBIBI/FB

ኣብ ሒሳብን ፊዚክስን ፍሉይ ክእለት ዝነበራ ዶክተር ዘቢብ የኑስ [ሳይንቲስት] ኣዲኣን ኣቡኣን መምሃራን ስለ ዝኾኑ፡ 'ውሉድ መምህር ኣይሰንፍን' ስለ ዝብሃል ካብቶም ንትምህርቶም ልዑል ትኹረት ዝህቡ ተምሃሮ ኮይና ዓብያ።

ንዩኒቨርሲቲ ዘእትዋ ጽቡቕ ውጽኢት ሒዛ ናብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ምስ ከደት ግን፡ ውሽጣ ናብ ዘይደለዮ ክፍሊ ትምህርቲ ተመዲባ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ክተቋርጽ ትወላወል ነይራ።

ፊዚክስ፡ ኣነ ዘይደለኹዎ'ዩ እትብሎ ክፍሊ ትምህርቲ'ዩ። 'ኣቦ ፊዚክስ' ኣልበርት ኣንስታይን ምሰምዐስ እንታይ ኮን ምበለ ነይሩ? ስለ ምንታይ ግን ዘቢብ ፊዚክስ ዘይደለየቶ?

"ሕብረተሰብናን ቤተሰብን ከዕብየና ከሎ፡ ንውላድካ ኣብ ክንዲ ናብ ዝተፈላለየ ነገር ክኣቱ ምግባር፡ ኻልእ ሞያ ብዙሕ ኣገዳሲ ከም ዘይኮነ 'ሓኪም፣ ፓይለት. . . ዲኻ ትኸውን?' እዩ ዝብለካ። በዚ ምኽንያት ሓኪም ክኸውን ኣለኒ ይብል ስለ ዝነበርኩ፡ ፈጺመ ፊዚክስ ከጽንዖ ኣይደለኹን" ትብል።

ዋላ'ኳ ንፊዚክስን ሒሳብን ዝመልኽ ክእለት እንተነበራ፡ ፈቲያ ክትመሃሮ ግን ልባ ኣይፈቐደን። "ጽቡቕ ክትሰርሒ ትኽእሊ ኢኺ" ብዝብል ማዕዳ ወላዲኣ ተገዚኣ ግን ዓይና ዓሚታ ኣትያቶ።

"ኩሉ ነገር ካብ ውሽጢ እንተዘይመጺኡ፡ ዝኸውን ነገር የለን" እትብል ዶክተር ዘቢብ፡ ልባ ናብ ሕክምና ብምሽፋቱ፡ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርታ ብፊዚክስ እንተቐጸለት'ውን ትምህርታ ብግቡእ ትከታተል ብዘይምንባራ፡ ዘዕግባ ውጽኢት ኣየመዝገበትን።

ተመሪቓ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ወጽአት፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ተምሃራይ ንሳ'ውን ስራሕ ምድላይ ጀሚራ። ኣብቲ ሰዓት ሓደ መዐቀኒ ኮይኑ ዝቐርብ ዝነበረ ግን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሒዝካዮ ዝወጻኻ ነጥቢ ብምንባሩ፡ ንዶክተር ዘቢብ ከጣዕስ፣ 'ዋይ ኣ!'ነ ከብል ዝኽእል ነገር ተፈጢሩ።

"ኣብቲ ሰዓት ንሱ ብጣዕሚ ተሰሚዑኒ። ዓቕሚ እናሃለወኒ ስለምንታይ ብሸለልተኝነት ከምዚ ገይረ? ዝብል ክስመዐኒ ጀሚሩ። ብርግጽ ኣብ ኮሌጅ ትምህርቲ መምሃራን መቐለ ስራሕ ጀሚረ'የ"

ኣብቲ ኮሌጅ ንክልተ ዓመት ምስ ኣምሀረት፡ ካልኣይ ዲግሪ [ማስተርስ] ክተጽንዕ ናብ ዩኒቨርሲቲአ ኣዲስ ኣበባ መጺአ።

ኣብዚ ግዘ፡ ግድን ዝበለጸ ውጽኢት ከመዝግብ 'ክመሃር ኣለኒ' ዝብለ ህልኽ ሒዛ፡ ብስርዓተ ጾታን ፊዚክስን ክልተ መእተዊ ፈተና ወሲዳ፤ ኣብ ክልቲኡ ሓሊፋ። ብፊዚክስ ቐጺላ ሕሉፍ ዝተጠዓሰትሉ ኣከሓሒሳ ወጺኣ።

"ኣብዚ ግዘ ህልኽን ዝተዓፈነ ነገር ስለዝነበረኒ፡ ዝኽእሎ ነገር ሰሪሐ፤ ጽቡቕ ውጽኢት ሒዘ ተመሪቐ። ናይ መጽናዕቲ ጽሑፈይ እንትሰርሕ እናሐጎሰኒ ስለ ዝሰራሕኹ፡ ውሽጠይ ጽቡቕ እናተሰምዐኒ መጺኡ፤ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ምእላሽ ድማ ጀሚረ" ትብል።

ጻዕራ ኣየሕፈራን፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ ንሳልሳይ ዲግሪ ኣንቂላ። ድሕሪ እዚ፡ ዘቢብ ካልእ ሰብ ኮይና።

ዶክተር ዘቢብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ Western Cape ብ Material Science ናይ ፒ.ኤች.ዲ ትምህርታ ምስ ወደአት ብፖስት ዶክቶራል ፕሮግራም ኣብ ምርምር ስራሕቲ ቀፂላ።

ብፍላይ ጠመተ ኣብ ትገብረሉ ምርምር ተሓዳሲ ሓይሊ (Renewable Energy) ብርክት ዝበለ ስራሕቲ ምርምር ሰሪሓ ብውልቃን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ካልኦት ሳይንቲስታትን ብሓባር ብምዃን ልዕሊ 50 ውፅኢት ምርምር ፅሑፋታ ኣብ ፍሉጣት ዓለምለኸ ናይ ሳይንስ ጆርናላት ኣሐቲማ እያ።

ስራሕቲ ምርምር ዶክተር ዘቢብ ኣብ ካናዳ፥ ኤውሮጳን ደቡብ ኣፍሪቃን ምስ ዘለው ሰብ ሞያ ብቐረባ ክትሰርሕ ኣኽኢልዋ።

እዞም ስራሕቲ ምርምራ ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ንዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዯ ተመራመርቲ ዝተውሃበ ሽልማት ሊኦራል ዩኔስኮ፡ ካብ መላእ ትሕቲ ሰሃራ ተሸለምቲ ብሉፃት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ሳይንቲሰታት ሓንቲ ኮይና ተሸሊማ።

ንሳ ብደረጃ ፖስት ዶክቴሪያል እዚ ሽልማት ክትረክብ ካብ ኢትዮጵያ ፈለማይቲ'ያ።

"ቆልዓ ከጥቡ እናተመላለስኩ'የ መሊአዮ"

ዶክተር ዘቢብ ዮኑስ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተሓባባሪት ፕሮፌሰር ኮይና ካብ ምርምር ስራሕታ ብተወሳኺ ኣብ ምምሃርን ምምኻርን ተምሃሮ ድሕረ-ምረቓ ትነጥፍ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ዝመሃሩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፁ ተመሃሮ ማስተርስን ፒ.ኤች.ዲን ከም መማኸሪት (Supervisor) ኮይና ትሰርሕ።

ዶክተር ዘቢብ ዮኑስ ኣብዚ ዓመት'ዚ ፈላመይቲ ኢትዮጵየዊት ሳይንቲስት ተሸላሚት ፍሌየር ኮይና ንሰራሕቲ ምርምራ ዝሕግዝ 300 ሽሕ ፓውንድ ወይ ድማ 12 ሚሊዮን ብር ረኺባ::

ፍሌየር፡ ናብ ባይታ ወሪዶም ጸገማት ሕብረተሰብ ዝፈትሑ ናይ ምርምር ሓሳባት ዘለዎም ሙሁራትን ተመራመርትን ኣወዳዲሩ ሽልማት እንትህብ ንፈለማ ግዘ'ዩ።

ዶክተር ዘቢብ ናይዚ ውድድር ሕጽይትን ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ሳይንቲስት ተዓዋቲት እዚ ሽልማትን ክትኸውን ዘኽአላ ናይ ምርምር ሓሳብ ዘዳለወቶን ኣብቲ ውዽድር ዝተሳተፈትን ኣብ ወሊድ ዕረፍቲ ኮይና ከምዝኾነ ትገልፅ።

"ኣብ ወሊድ ዕረፍቲ ኮይነ ኣብ ዓዲግራት'የ ነይረ። "ቆልዓ ከጥቡ እናተመላለስኩ'የ መሊአዮ" ትብል:: ግን፡ ቐሊል ግዘ ዝሓትትን ብሓጺሩ ዝውዳእን ኩነታት ኣይኮነን ተጸብዩዋ።

"ኣብቲ ሰዓት ንሱ ኣደ ቖልዓ እየ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምብራህን ምጥፋእን ኢንተርነትን መብራህትን ነይሩ። ይጅምሮ፤ ከጥቡ ድማ ናብ ገዛ ይምለስ፤ ዳግማይ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ይኸይድ። እዚ ኹሉ ተደራሪቡ ብዙሕ ተስፋ ኣይገበርኩን"።

ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት 60 ሕጹያት ንቃለ መሕትት ናብ ኬኒያ ተጸዊዖም። ኣብ መወዳእታ 30 ኣፍሪካውያን ዘቕረቡዎ ምርምር ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ ተዓወቲ ከምዝኾኑ ትሕብር።

ሽልማት ፍሌየር እንታይ'ዩ?

  • ፍሌየር፡ ብሮያል ሶሳይቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ፈንድ ዝግበር ኮይኑ፡ ፈንድ ዓለማዊ መጽናዕቲ ምስ ኣካዳሚ ሳይንስ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር፡ መሪሕነታዊ ዓቕሚ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ተመራመርቲ ንምሕጋዝ ዝዓለመ'ዩ
  • ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ውሕስና መግቢ፣ ማይን ጥዕናን ትኹረት ዝገበሩ ናይ ምርምር ስራሕቲ ዝሓዙ 700 ተመራመርቲ ኣመልከትቲ ንውድድር ኣመልኪቶም።
  • ፕሮጀክት መጽናዕቲ ዶክተር ዘቢብ፡ ዝርግሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይበጽሖም ከባቢታት ኣፍሪቃ፡ ካብ በለስ ሓይሊ ብምምንጫው፡ ማይ ንምውዓይ፣ ጸብሒ ንምስራሕን ጸባ ፓስቾራላይዝ ንምግባርን ዘኽእል'ዩ።
  • እዚ ፍሌየር ዝተብሃለ ፕሮግራም፡ እቶም ተመራመርቲ ብዝረኽቡዎ ናይ ገንዘብ ሽልማት ናይ ባዕሎም ቤተፈተነ ከፊቶም ዝሓሸ ስራሕ ንክሰርሑ፣ ልምዲ ምስ ዘለዎም ሰባት እናተራኸቡ ብሓባር ክሰርሑ ዝዓለመ'ዩ።
  • ዶክተር ዘቢብ ዮኑስ ድማ፡ ተሸላሚት 12 ሚሊዮን ብር ኮይና።
Image copyright Zebiba

ፊዚክስን ጓል ኣንስተይትን

'ንሳ ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝኾነት ከምዚ ዓይነት ነገር ክኸብዳ'ዩ' ካብ ዝብል ጸቓጣይ ኣገላልጻ ክሳብ 'ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተዓዋቲት ወይ ሳይንቲስት' ዝብሉ ጾታ መሰረት ዝገበሩ ተቐጽላታት፡ ዶክተር ዘቢብ ዮኑስ ኣይትፈትዎምን።

ብደረጃ ሃገርና ኮነ ዓለምና ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክኸብደን'ዩ ዝብሃል ናይ ጉልበት ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነ ትምህርቲ'ውን ክፍሊ ወጺኡዎስ ንዕአን ኣይኸውን እናተብሃለ፡ ቑጽሪ ብፊዚክስን ሒሳብን ተወጢሐን ዝወጽኣ ውሑድ'ዩ።

ስራሕ ንጾታ ኣይገልጾን፤ ጾታ'ውን ብመደብ ስራሕ ኣይግለጽን እትብል ዶክተር ዘቢብ፡ "ብፊዚክስ ክቕጽል ከለኹ ብዙሓት ካብ መሓዙተይ ኮኑ ዘይፈልጡኒ፡ እሞ ትኽእሎ ድያ? ከቢድ እኮ'ዩ ዝብሉ ነይሮም። እዚ ልክዕ ኣይኮነን" ኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ናብ ሒሳብን ፊዚክስን ከይኣትዋ ዝገብር ማሕበረሰባዊ ጸቕጢ ከም ዘሎ እተልዕል እዛ ምህርቲ፡ ሒሳብን ፊዚክስን ክብድ ዝበሉ ስለ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ'ዮም ዝሰርሑዎ ዝብል ድሑር ኣመለኻኽታ ብዝፈጥሮ ስምዒት፤ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብናጽነት ይኽእሎ'የ ኢላ ከይትኣቱ ጸቕጢ ከም ዘሕድረላን ትዛረብ።

እዚ ኮይኑ ግን፡ ዶክተር ዘቢብ በቲ ኣይፈተኹዎም ኢላ ዝተጎባጎበትሉ ዓውዲ ፊዚክስ ነኺሳ ቐጺላ፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ብፍላይ ድማ ጸሓይ ብርሃን ትኹረት ዝገበሩ ጽሑፋት ምርምር ብደረጃ ዓለም ኣሐቲማ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣለው ካብ ዝበሃሉ ዓበይቲ ጸገማት ሓደ ዝኾነ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ተመራማሪት ትኹረት ገይራ እትሰርሐሉ መዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ዝተርፍ ክኸውን ግን የብሉን።

ብመሰረት እዚ፡ ብዙሕ ወጻኢ ዘይሓትት ጥረ ኣቕሓ ብምጥቃም ብዝሓሸ ዋጋ ናብ ሕብረተሰብ ዝቐርብ ተሓዳሲ ሓይሊ ንምፍራይ፡ ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበራ ትኹረት ብዝተፈለየ ኣብ በለስ ከተትኩር መሪጻ።

እንተኾነ ኣብዚ ሰዓት በለስ ንርእሱ ምዃን ተሳኢኑዎ ሓሚሙ ይእወየሉ'ዩ ዘሎ። እንታይ ድኣ'ያ ክትገብር? "በቲ ዘለዎ ደረጃ ኾይኑ'ውን ጽልዋ ዘሕድር እንተዘይኮነ፡ ኣነ ምስ ሰብ ሞያ ተዘራሪበ መፍትሒ ኣብ ምምጻእ ክሰርሕ እየ" ትብል።

ብስርዓተ ጾታ ምቐጸልኪ'ኸ?

ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ጾታዊ ጥቕዓት ይርአን ይፍጸምን። ኣብ ዘይዕድመ መርዓ ጀሚሩ ክሳብ ብመጻምድኻ ዝፍጸም ናይ ኣሲድን ዘሰቕቕ ቕትለትን፡ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ይበጽሕ።

ነዚ ዓገብ ዝብል ስነስርዓት ሓዊሱ ጽኑዕ ቓልሲ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ይሓትት።

"ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ጸጋ ኮይኑ እናሃለወ፡ ከም ሰብ ግን ብዙሕ ፈተናታት ዝሓዘት'ያ" እትብል ዶክተር ዘቢባ፡ በቲ ዓውዲ'ቲ ምቐጸለት ነይራ "ሙሉእ ንሙሉእ ዓርሰይ ኣወፍየ ብፍላይ ድማ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ክሰርሕ ነይረ'የ" ክትብል ትዛረብ።

በዓልቲ ሓዳር፣ ኣደ ቖልዑን ተመራማሪትን ዶክተር ዘቢባ፡ ኩሉ ቀሊል'ዩ ኢልካ ምሕላፍ ስለ ዘይክኣል፡ "ከመይ'ኮን ግዘ ይመልኣልኪ?" ኢልናያ።

ደቂ ኣንስትዮ ብተፈጥሮና ብዙሓት ነገራት ብሓደ ግዘ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ብምባል፡ "ዝኸብድ'ኳ እንተኾነ ከም ዘሎ ኮይኑ ግና ሓጋዚ ዝኾነ በዓል ቤት ኣለኒ። በዓል ቤተይ ብሞራል፣ ብኣጠቓቕማ ግዘ፣ ሓሳብን ካልእን ስለዝሕግዘኒ የመስግኖ። ግዘኻ ብኣግባቡ ተጠቒምኻ ግን ኩሉ ይከኣል'ዩ " ኢላ።

"ጽቡቕ ባህሊ ኣጠቓቕማ ግዘ ኣለኒ" 'ኳ እንተበለት፡ ህይወታ ብጉዕዞ ዝተመልአ ስለ ዝኾነ ግን ንስድርኣ ካብ ዝኸውን ግዘ ወጻእ ንማሕበራዊ ህይወት ዝኸውን ግዘ የብላን። "ዝተረፈ ብቴክኖሎጂ የከሓሕሶ'የ" ትብል።

ግን ከ፡ ኣብ ህይወት ከም ሰብ፡ ብገለ ማሕለኻታት ተረቲዕኻ ሸብረኽ ምባል ዘይተርፍ'ዩ። ከመይ ምተሰግረ?

"ግድን'ዩ ኣብ ህይወት ሕማቕን ጽቡቕን ኣሎ። ግን ድማ ኣብ ዘጋጥሙና ጸገማት እንከየተኮርና፡ ወይ ከየመኽነና፡ ነቲ ኣጋጣሚ ከም መተባብዒ ተጠቒምና ናብቲ ዝደለናዮ ክንኸይድ ንክእል ኢና" ኢላ ትምዕድ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ መምህር ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኮይና፡ ኣብ ህንጸት ዓቕሚ ብምትኳር ካብቲ ስታፍ ንትምህርቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዶም ንክመሃሩ ትሰርሕ ኣላ።

ቤተ ፈተነ ኣብ ዓዲ ግራት ብምኽፋት፡ ምስተን ኣብቲ ክልል ዘለዋ ዩኒቨርሲቲታት ሓቢራ ክትሰርሕ መደብ ኣለዋ።

ብፍሌየር ድሕሪ ዝረኸበቶ ሽልማት 12 ሚሊዮን ብር፡ ብዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ "ዶክተር ዘቢብ፡ ንኡሽቶ ሓፍቲ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ [ኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ዝነበረ] እያ ክብሉ ቀንዮም ነይሮም። ሓቂ ድዩ ዝብል ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣቕሪብናላ።

ዶክተር ዘቢብ [ነዊሕ ሰሓቕ]. . . ሓፍቲ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ? ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ኣዛዚ መከላኸሊ ሓይሊ ከምዝነበረ እየ ዝፈልጦ እምበር ከምዚ ዓይነት ዝምድና የብልናን። ጓል መምህር ዮኑስ'የ፤ ሓፍቱ ኣይኮንኩን ብዝብል ሰሓቕ ዝተመልኦ ምላሽ ተሰናቢታትና።

ተወሳኺ ዛንታ