ኤርትራ መዓስከር ስደተኛታት ከይትዓጹ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ሶማላውያን ስደተኛታት Image copyright Million
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ሶማላውያን ስደተኛታት

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ መዓስከር ስደተኛታት እምኩሉ ድሕሪ ምግዓዞም፡ ላለዕዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ነቲ መዓስከር ከይትዓጽው ተማሕጺኑ።

ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ነቶም ስደተኛታት ክለቕቁ ከም ዝሓተትዎም ምንጭታት ይሕብሩ።

መዓስከር ስደተኛታት እምኩሉ፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ፡ ከባቢ 10 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ኣብ ኤርትራ እንኮ መዓስከር ስደተኛታት እዩ።

ክሳብ መፋርቕ ሰነ፡ ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 2100 ሶማላውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ነይሮም።

ዛጊት ካበዚኦም፡ 1300 ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰጊሮም ኣለው።

ዳይሬክተር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ጨንፈር ኣፍሪቃ ራውፍ ማዞው "ነቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዘለው ስደተኛታት ድሕነት ኣብ ምውሓስን መፍትሒ ኣብ ምርካብን ሰበ ስልጣን ኤርትራ ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑ ንጽውዕ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ንሶማላውያን ስደተኛታት ንከባቢ ዕስራ ዓመታት ዘዑቖበ መዓስከር ስደተኛታት ኣማራጺታት ብዘይ ምቕራብ ምዕጻው ዘሻቕል እዩ" ኢሉ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ 1300 ስደተኛታት፡ ናብ መልካዲዳ ዝበሃል ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝርከብ ስፍራ ንምግዓዝ፡ ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ 257 ሸሕ ሶማላውያን ስደተኛታት ከም ዘለው እቲ ትካል ስደተኛታት ይገልጽ።