ንስድራ ግዳያት ሓደጋታት ነፈርቲ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዢያን ብቦይንግ ዝቐረበ ገንዘብ፡ ቁጠዐ ፈጢሩ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ Image copyright AFP

ኩባኒያ መፍረዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ሓደጋ ገጢሙወን ብዝወደቓ ክልተ ነፈርቲ 737 ማክስ 8፡ ግዳያት ንዝኾኑ ስድራ ዝወሃብ 100 ሚልየን ዶላር ገንዘብ ከም ዘዳለወ ትማሊ ኣፍሊጡ።

ቦይንግ፡ እዚ ገንዘብ ኣብ ክልቲአን ነፈርቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ንዝሞቱ 346 ግዳያት፡ ንስድርኦም ዝከፋፈል እንትኸውን፡ እቲ ገንዘብ ንስድራ መወትቲ ናይ ናብራን ትምህርትን ወፃእታት ከም ዝሽፍን ገሊፁ።

ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ናይሮቢ ክትጓዓዝ ከላ ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ በዓልቲቤት ኣይተ እያሱ ተሾመ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ተጓዓዝቲ ሓንቲ ነይረን። በቲ ሓደጋ ግን ህይወተን ሓሊፉ።

ቦይንግ ነዚ ውሳነ ምስ ኣሕለፈ፡ ንቢቢሲ ርኢቶኦም ዝሃቡ በዓል ቤተን ኣይተ እያሱ፡ "ንዓይ ኣይኮነን'ዶ 100 ሚልየን፡ 100 ቢልየን'ውን [ዶላር] ንሰበይተይ ኣይምልሰለይን" ኢሎም።

"ሓደ ትካል ፀገም ዘለዎ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ብምእታው፡ ስድራና እዩ ኣስኢኑና። ህይወት ድማ ብገንዘብ ዝትመን ኣይኮነን"።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ "እታ ነፋሪት ፀገም ከም ዘለዋ ይፍለጥ እዩ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ ፈለማ ዘጋጠመ ሓደጋ ከቋርጹዎ ምኽኣሉ። ንሶም ግና ትርፎም ብምሕሳብ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ፈሪዶም" ክብሉ ቁጠዐኦም ገሊፆም።

ህይወት ሰብ ብገንዘብ ኣይልወጥን ዝበሉ ኣይተ እያሱ፡ ገንዘብ እንተይኮነስ ቅድሚ ኩሉ ፍትሒ ከም ዝደልዩ፡ ኣምሪሮም ተዛሪቦም።

ኣብ ኣሜሪካ ቴክሳስ ዝርከቡ ኖሚ ሁሴን፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ሓደ ሓደ ስድራ ብምውካል ይሕለቑ ኣለዉ።

ብቦይንግ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ስድራ ግዳያት ንዝሰኣንዎ ኣብ ግምት ዘየእተወን፡ ካሕሳ ኢልካ ንምፅዋዕ እውን ከምዘይምጥን ሓቢሮም።

እቶም ጠበቓ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ገለ ዓማዊሎም በቲ ዝቐረበ ካሕሳ ሕጉሳት ኣይኮኑን፤ "ቦይንግ ብፅቡቕ ዋጋ ይሸጦ ዝነበረ ነፋሪት ንምክልኻል፡ ብህይወት ሰብ ጠላዕ ተፃዊቱ፤ ንሳቶም ትርፎም እዮም ኣቐዲሞም" ኢሎም።

ዛጊድ ንሸውዓተ ስድራ ግዳያት ወኪሎም ኣብ ቤት-ፍርዲ ይካትዑ ከም ዘለዉ ዝገለፁ እቶም ጠበቓ፡ ሓደሓዲኦም ዓማዊሎም ክሳብ 276 ሚልየን ዶላር ዝበፅሕ ካሕሳ ከም ዝሓተቱ ሓቢሮም።

ካልእ በዚ ሓደጋ፡ በዓልቲ ቤቶም፣ ጓሎም ሰለስተ ደቂ ጓሎምን ዝሰኣኑ ኬንያዊ ጆን ኩዊንዶስ ብወገኖም፡ ስድራ ግዳያት ጉጅለ ዋስኣፕ ብምፍጣር ከም ዝራኸቡን፡ ዋላ ሓደ ገንዘብ ንዘይምቕባል ከም ዝተሰማምዑ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ቦይንግ ክሳብ ሕዚ ብውልቀኦም ከም ዘየዛራረቦምን፡ ብዛዕባ እቲ ቦይንግ ክህቦ ቐሪበዮ ኣለኹ ዝበሎ ገንዘብ ብዜና ከም ዝሰምዕዎምን ድማ ተዛሪቦም።

ኣቦወንበርን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ቦይንግ ዴኒስ ሙይልንበርግ "ቦይንግ ኣብ ክልቲኦም ሓደጋታት ንዝጠፍአ ህይወት ብጣዕሚ ሓዚኑ እዩ። እዚ ዝጠፍአ ህይወት፡ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን" ኢሎም።

እዚ ገንዘብ ስድራ ግዳያት ኣብ ቤት-ፍርዲ ንዘቕረብዎ ክሲ ዝተውሃበ እንተይኮነስ፡ ካብ ፍርዲ ወፃኢ ዝውሃብ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ተወሳኺ ዛንታ