ብትግርኛን ኦሮሚኛን ኣፎም ዝፈትሑ ሰብ ውዕለት ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ

ብዝተፈላለዩ ደረስቲ ዝተጸሓፉ መጻሕፍቲ

ዘበናዊ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ፡ ሎሚ ናብ ዝርከበሉ ደረጃ ዘብፅሕዎ ሽማግለ (ኣረጋውያን) ፀሓፍቲ፡ ብካልእ ቋንቋ ኣፎም ዝፈትሑ እዮም። ደረስቲ ስብሓት ገብርእግዚኣብሄርን በኣሉ ግርማን ብዘየለዉሉ ንልበወለድ ኣምሓርኛ ምሕሳብ ከቢድ እዩ።

ስም ጸጋየ ገብረመድህን ኣብ ተዋስኦን ስነግጥምን ዘይምልዓል ድማ ጌጋ'ዩ ዝኸውን። ከም ሰለሞን ደረሳ'ኸ ንግጥሚ ዘዘመኖ ይህልው'ዶ?

ገሊኦም ምሁራት 'ትርጉም ኣምሓርኛ ካብ ሳህለስላሴ ብርሃነማርያም ወፃኢ ምሕሳብ ኣይከኣልን' ክብሉ ይገልጹ።

ዘበናዊ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ፡ ካብ ተዛረብቲ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝመፅኡ ሰባት ከም ዘጠጥዕዎ ብምግላፅ፡ "ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ ስነፅሑፍ ኢትዮጵያ እዩ" ይብሉ።

ኣብ ስነፅሑፍ ኢትዮጵያ ደረጃ እንተዝወፅእ፡ እዞም ስሙያት ደረስቲ፡ ኣብ ጫፍ እቲ እምባ ዝቕመጡ ከም ዝኾኑ ምሁራት እዚ ዓውዲ ዝሰማምዕሉ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋታት ወፃእን ስነፅሑፍን ሓጋዚት ፕሮፌሰር ፀደይ፡ እዞም ደረስቲ ብኻልእ ቋንቋታት ዓለም ዝጽሕፉሉ ዕድል እናሃለዎም ብቋንቋ ኣምሓርኛ ብምጽሓፍ፡ ናይ ባዕሎም ቅዲ ስነፅሑፍ ዝሃነፁ ምዃኖም ትዛረብ።

ቋንቋ ኣምሓርኛ ዘርኢ ስነፅሑፍ ክቖፅር እንተይላ፡ ጥርሓ ከም እትተርፍ ዝዛረብ ድማ የሻው ተሰማ ካብ ኮተቤ እዩ።

ኣብዚ እኒ በኣሉ ግርማ፣ ጸጋየ ገብረመድህን፣ ሰሎሞን ደሬሳ፣ ገበየሁ ኣየለ፣ ኣማረ ማሞ፣ ሙልጌታ ሉሌን ታቦር ዋሚን ብምፅራሕ፡ ስንፅሑፍ ኣምሓርኛ ኣብ ናይ መን ማእገር ወዲቑ ከምዝነበረ ምርዳእ ከምዝከኣል ይሕብር።

እሞ ድኣ እዞም ስሙያት ደረስቲ ኣብ ዘበናዊ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ ዘለዎም ግደ እንታይ እዩ?

ንዘበናዊ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ ዓምዲ ዝኾኑ ደረስቲ

ደራሲ ኣለማየሁ ገላጋይ ኣምሓርኛ ብየማንን ፀጋምን ዝተወጠረሉ ዓምዲ ኣሎ ብምባል ምስ ናይ የሻው ሓሳብ እዩ ዝሰማማዕ።

ፈለምቲ ናይ ኣምሓርኛ ደረስቲ፡ "ሓቂ እዩ ብኣምሓርኛ ኣፎም ዝፈትሑ ሰባት ኢና ንረክብ" ብምባል፡ ከም በዓል መኮነን እንዳልካቸው፣ ዮፍታሄ ንጉሴ፣ ግርማቸው ተክለሃወርያት ይፀርሕ እሞ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ግን ልብወለድ ኣምሓርኛ ፡ ስጋን ደምን ለቢሱ እስትንፋስ ዝዘርአ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣፎም ብዘይፈትሑ ደረስቲ ከም ዝኾነ ይገልፅ።

"ኣብ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ ብኻልኣይደረጃ ተሰሪዖም ዝርከቡ፡ ድሕሪ ወራር ጣልያን ዝተወለዱ፡ ብፍላይ ድማ ካብ 1928 ዓ.ም ንነዘ፡ ድሕሪ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ዝመፅኡ ደረስቲ እዮም" ኢሉ።

ጣልያን ብዝሃነፆ ፅርግያ፡ ብእግሪ ኮነ ብበቕሊ ተጉዒዞም ናብታ ናይ ሽዑ ኣዲስኣበባ ክመፅኡ ዝኸኣሉ እዞም ደረስቲ፡ ንስነፅሑፍ ኣምሓርኛ በቲ ሕዚ ዘለሉ ደረጃ ኣዕብየሞ ከም ዘዕበይዎ የረድእ።

ካብ ትግራይ ስብሓት፣ ካብ ኣምቦ ጸጋየ፣ ሰለሞን ካብ ወለጋ፣ ኣሰፋ ጫቦ ካብ ጨንቻ፡ ኣብ ድርሰትን ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽን ብምስታፍ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንስነፅሑፍ ምችው ንክኸውን ዘበርከትዎ ግደ ቀሊል ከም ዘይኮነ የስምረሉ።

ሓጋዚት ፕሮፌሰር ፀደይ'ውን ፡ ዘበናዊ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ፡ ሎሚ ብእንዘራረበሉ ዘማዕበልዎ ደራስያን፡ ብቁልዕነቶም ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ ከም ዝመፅኡ ብምሕባር፡ ልዕሊ ኣፎም ዝፈትሕሉ ቋንቋን ባህልን፡ ከተማነት ስዒርዎም ከም ዝረአይ ተረድእ።

ነባር ባህሊ ብምጥፋእ ባህሊ ከተማነት ምንጋስ

ኩሎም ኣብ ከባቢ 1960ታት ዘበናዊ ድርሰት ኣምሓርኛ ዝጀመሩ እንተድኣ ርኢናዮም ነቲ ነባር ባህሊ ብምምሕያሽን ብዘበናዊ ባህሊ ብምትካእን ናይ ባዕሎም ሰውራ ዝመርሑ እዮም ይብል ደራሲ ኣለማየሁ ገላጋይ።

ነዚ መረዳእታ ብኣምሓርኛ ኣፎም ዝፈትሑ ደረስቲ ጥራሕ እንተይኮኑስ፡ ከም እኒ ዳኛቸው ወርቁ ዝበሉ ካልኦት ደረስቲ እውን ምርኣይ ኣድላይ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፡ "ውሽጢ ንውሽጢ ኣብ ምፍራስ ባህሊ ዝተመስረተ ልበወለድ" ብኢንግሊዘኛን ኣምሓርኛን ብምፅሓፍ መልክዕ እዚ ዘበን የርእየና ይብል።

እዚ ንኣቤ ጉበኛ እውን ከም ዝሓውስ ይዛረብ።

እዞም ኣፎም ብካልእ ቋንቋ ዝፈትሑን ኣብ ዘበናዊ ስነ-ፅሑድ ኣምሓርኛ ብፅሒት ኣምበሳ ዝሕዙን ደረስቲ፡ ሓድሽ ባህሊ ከተማን ዘበናውነትን ብምምፃእ ኣብ ስረሖምከም ዝነፍዑ እቶም ዘዘራረብናዮም ሙሁራት ይገልፁ።

ንሶም ከም ዝብልዎ፡ ናይ ገጠር ባህሊ ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ ሒዙ ንዝመፅአ ማሕበረሰብ ፡ ሓድሽ ባህልን ኣተሓሳስባን ንከኻዕብት፡ እዞም ስሙያት ዘበነዎት ደረስቲ ኣብ ስርሖም ኣንጸባሪቖም'ዮም።

እዞም ደራስያን ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ቋንቋን ምምፅኦም ካብ ረአና፡ ናይ ዝመፅሉ ከባቢ ባህሊ ናብ ስራሕቶም ኣሰጋጊሮም'ዶ ይኾኑ? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን።

መፅዮም ዝኣተውሉ ባህሊ ከተማነት፡ ናይ ባዕሉ ሕብሪ (ቀለም) ዘለዎ ምዃኑ ሰለስቲኦም ኣጋይሽና ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ።

ሓጋዚት ፕሮፌሰር ፀደይ፡ ናይዞም ደረስቲ ናይ ህይወትን ንባብን ልምዲ እንከይተረፈ ዘበናውነት ዘርእይ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ "በኣሉ ብኢንግሊዘኛ ዝፀሓፎም ግጥምታት ነይረሞ፡ ስብሓት እውን ናይ ዳኛቸው ወርቁ ስራሕ ኣንቢቡ ምፅሓፍ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብካልእ ቋንቋ ምፅሓፉ፡ ኣብ ናይ ዘነበ ወላ 'ማስታወሻ' ኣንቢብና ኢና" ትብል።

እዞም ደረስቲ ዘበናውነት ናብ ስረሖም ዘምፅእዎ ካብ ናይ ህይወት ልምዶም ምዃኖም ትገልፅ እታ ሓጋዚት ፕሮፌሰር።

ኣብ ዘበናውነት ዝጥቀምሉ ቋንቋ'ውን ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ ቅልጡፍ ንክኸውን ምፅዓሮም ዘርእይ ከም ዝኾነ ተዛረብ።

ደራሲ ኣለማየሁ ገላጋይ ብወገኑ፡ ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር ፡ ከተመታይነት፡ ኩሉ ኣብ ዝሓቖፈ ናይ ከተማ ባህሊ፣ እቲ ዘበን ዝፈጠሮን ዘርእዮን ኣብ ምግዋሕ ግደ ከምዝነበሮ ብምዝኽኻር፡ ዝተወለደሉን ዝዓበየሉን ባህሊ ናብ ስነ-ፅሑፍ ኣምሓርኛ ከሰጋግር ሓሳብ ከምዘይነበሮ ኣረጊፁ ይዛረብ።

"ኣብ ናይ በኣሉ ግርማ ስራሕቲ እውን፡ ከተመታይነት ጎሊሁ ከምዝረአይ ክልቲኦም ምሁራት እንትዛረቡ፡ ደራሲ ኣለማየሁ ግና ንሱ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ እቲ ነባር ባህሊ ምስ ጋሻ ባህሊ እንትጻባእ፣ እንትጋጮን እንትመናጨትን ይረአይ" ይብል።

"ኣብ ናይ በኣሉ ድርሰት፡ እቲ ነባር ባህሊ ነቲ ሓድሽ እንትስዕር እዩዝረአይ" ዝብል ኣለማየሁ፡ ኣብ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ኣዲስ ኣበባነትን ብምድራኽ፡ ኣዲስ ኣበባበነት ብምንፅብራቕ ዝሐሸ ምዃኑ የብርህ።

ኣይተ የሻው ድማ፡ ናይዞም ደረስቲ ከተመታይነት ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ዘበነዎት ደረስቲ ምዃኖም ባዕሉ፡ ንዝተወለድሉ ባህሊ ተሳጊሮም ንክርእዩ ዕድል ከም ዘይሃቦም ይገልፅ።

ሓጋዚት ፕሮፌሰር ፀደይ፡ ዝመረፅዎ ቅዲ ነዚ ዝጥዕም ከም ዘይነበረ ብምግላፅ ምስ ናይ የሻው ሓሳብ ትሰማማዕ።

"ብርግፅ 'መዓበይ' ኣብ ከተማ ምግባሮም ባህሊ ንምስጋር ከቢድዎም እዩ ኢልካ ንምድምዳም የፀገም እዩ" ብምባል፡ መብዛሕቲኦም ዘበነዎት ደረስቲ ገና ብቑልዕነቶም ናብ ከተማ ዝመፅኡን፡ ንነዊሕ ግዘ ንባብን ናብርኦምን ዘሕለፍዎ ኣብ ከተማ ብምዃኑ፡ ከተመታይነት ኣብ ስረሖም ከምዝጎልሕ ብምኽንያት ተቐምጥ።

"ኣብቲ እዋን ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እያ ዓባይ ከተማ ነይራ፤ ከምዚ ሎሚ ካልኦት ከተማታት ስለዘይነበራ፡ ኣዲስኣበባን፡ ኣዲስኣበባነትን ጥራሕ" ከም ዝጎለሐ ተረድእ።

ጸጋየ ገብረመድህን ካብ ካልኦት ከም ዝፍለዩ ዝገልፁ የሻውን ፀደይን፡ ብፍላይ ኣብ ግጥምታቶምን ሓፀርቲ ፅሑፋቶምን ናይ ኦሮሞ ባህሊ ከእትዉ ከም ዝረኣይ ተዛሪቦም።

ባህልን ቋንቋን ኦሮሞ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ኣብ ስራሕቱ፡ ነባራት ጀጋኑ ብዝለዓለን ብዝደመቐን ኩነታት ብምፍጣር፡ ብብርኪ ሃገርን ዓለምን ኣግዚፍካ ክረኣዩ ምግባር፡ ኣብ ናይ ፀጋየ ስራሕቲ ዝረኣዩ ምዃኖም የሻው ይዛረብ።

"ጸጋየ ዝሓስበሉ መገዲ ስነሰባዊ ስለዝኾነ፡ ነዓና [ንሰባት] ኣብ ጥንታውነት ናይ ምድላይ ዝንባለ ነይርዎ" ብምባል፡ ካልኦቶም ግን ኣዲስኣበባነት ኣብ ዝጸለዎ ናይ ኣተሓሳስባ መጠን ዘለዉ ብምዃኖም፡ ንምንታይ ኣፎም ዝፈትሕሉ ቋንቋ ኣየሳገሩን ብዝብል ከም ዘይኽሰሱን ከም ዘይውቀሱን " ይዛረብ።

ፃዕሪ ጸጋየ ንኢትዮጵያ [ኢትዮጵያውነት] ዓለም ለኻዊ ምግባር ከም ዝነበረ ዘዘኻኽር ደራሲ ዓለማየሁ፡ "ብግብፂ ጀሚሩ፡ ኣብ ግብፂ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ፀሊም ስልጣነ ዘለዋ እጃም፡ ኣግዚፍካ ምርኣይ እዩ ሕልሙ" ይብል።

ጸጋየ ንኢትዮጵያ ልዕል ኣብ ዘብሉ መፅናዕትታት ተደሪኹ ይሰርሕ ከምዝነበረ'ውን ይዛረብ።

"ንድሕሪት 13 ሽሕ ዓመታት ተጓዒዙ፡ መበቆል ፍልስፍና ኣፍሪቃን ናይ ስልጣነ ብራኸን ንምርኣይ ከም ዝጸዓረ ብምዝኽኻር፡ ዝመጽኣሉ ባህሊ ኣብ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ ንምፅዓን ዘይምፍታኑ፡ የረድእ።

ሰለሞን ደሬሳ፡ ኣብ ልሙዳት ስራሓት ዓመፅ ዝወለዐ፡ ደራሲ እዩ ዝብል ኣለማዮ፡ ዝሐሸ መገዲ ብምርሓው ዘበርከቶ ግደ ከም ዝዓዝዝ ይዛረብ።

ኣለማየሁ፡ ንናይ ሰለሞን ደሬሳ 'ባህልና እኔ' ዝብል ሓፂር ፅሑፍ ብምፅራሕ፡ እቲ ዝነበረ ስርዓት ኣፍሪሱ ሓድሽ መገዲ ብምርሓው፡ ፍልይ ዝበለ፣ ደፋርን ዝተሳኽዐሉን ደራሲ ከም ዝነበረ ይዝክር።

ናብ ኣምሓርኛ ዘሰጋገርዎ ቃል፣ ኣተሓሳስባን ባህሊን

ኣለማየሁ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ኣምሓርኛ ካብ ቋንቋታት ዓረብን ኦሮሚኛን ብዝተለቅሖም ቃላት'ዩ ማዕቢሉ። ቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣተሓሳስባት (ኣገላልጻ)'ውን ይወስድ'ዩ።

'ጉዲፈቻ' ዝብል ቃል ድማ ከም ኣብነት የልዕል።

እቶም ደረስቲ ከተመታይነት ክዕብልሎምን ብኣምሓርኛ ክጽሕፉን ይረኣዩ'ምበር፡ ካብ ዝመጽኡሉ [ዝዛረቡሉ] ቋንቋ ናብ ኣምሓርኛ ከተኣታትዉን ከስርጹን ብዙሕ ከም ዘይረኣዩ ይዛረብ።

ሓጋዚት ፕሮፌሰር ጸደይ ብወገና፡ እቶም ደረስቲ ቅድሚ ምምጽኦም ቋንቋታት ክለቓቕሑ ጀሚሮም ምንባሮም ተረድእ።

ባህልን ቋንቋን ናይ ምስግጋር መስርሕ ብመንጽር እቶም ደረስቲ ጥራሕ ምርኣይ ከም ዘይግባእ'ውን ትገልጽ።

"እዞም ደረስቲ ካብ ኦሮሚኛ ዘምጽእዎም ቃላት ምስ ኣምሓርኛ ኣዋዲዶም ክጥቀሙ'ኳ እንተተረኣዩ፡ ካልኦት ደረስቲ ግን ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ቅልጡፍ ክኸውን ኣብ ምግባር ዝለዓለ እጃም ነይርዎም" ትብል።

ሰሎሞን ደሬሳ፡ ዝተወሰኑ ናይ ኦሮሚኛ ቃላት ኣምጺኡ ናብ ኣምሓርኛ ንምቕያር ከም ዝፈተነ ይሕብር ደራሲ ኣለማየሁ።

ብተወሳኺ ድማ ጸጋዬ ገብረመድህን፡ ኣምሓርኛ ካብ ጥንታዊ ቋንቋ ግእዝ ንላዕሊ ክምዕብልን ክሰፍሕን ዝኽእል፡ ብኸም ኦሮሚኛ፣ ወላይትኛን ሲዳምኛን ዝመሰሉ ቋንቋታት ከም ዝኾነ ይገልጽ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።