ናይጄርያ ንነጻ ዞባ ንግዲ ፈሪማ፤ ኤርትራ ግን ነቲ ስምምዕ ዘይፈረመት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና

ህንጻ እንዳ ኣባ ሓበሽ ኣስመራ

ኣብ ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዓቕሚ ዘለዋ ናይጄርያ ንስምምዕ ነጻ ዞባ ንግዲ ኣፍሪቃ ፈሪማ። በዚ ከኣ ኤርትራ ነቲ ስምምዕ ዘይፈረመት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትኸውን ኪኢላ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ኣብ ኒጀር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ስምምዕ ፈሪሞም።

ናይቲ ስምምዕ ዕላማ፡ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ዝግበሩ ንግዳዊ ርክባት ኣብ ሸቐጣት ዘሎ ታሪፍ ብምእላይ ነጻ ልውውጥ ንግዲ ንኽህሉ ምግባር'ዩ።

እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ዝኾነሉ እዋን ግን ገና ኣይተወሰነን ዘሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎአን ዘካይድኦ ዓለማዊ ንግዲ ፍርያትን ኣገልግሎትን 16 ሚኢታዊት ጥራሕ ከም ዝኾነ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ብ2014 ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት።

እቲ ስምምዕ ግብራዊ እንተኾይኑ ከኣ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝግበር ንግዳዊ ልውውጥ ብ2022 ናብ 60 ሚኢታዊት ክብ ከም ዝብል ይግለጽ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ነጻ ዞባ ንግዲ ክኸውን ከም ዝኽእል'ውን ገለ መረዳእታታት የመልክቱ።

Image copyright AFP

ዝለዓለ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዋ ናይጀርያ ኣካል ናይዚ ስምምዕ ብምዃን ምፍራማ፡ ኣብ ውጽኢታውነት ነጻ ዞባ ንግዲ ዓብይ እጃም ከም ዝህልዎ ድማ ሙሁራት ሓቢሮም።

ኤርትራ ስለምንታይ ንበይና ተሪፋ?

እታ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ብዝነበራ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይምርድዳእን ካልኦት ምኽንያታትን ተሳታፊት ናይቲ ስምምዕ ከይኮነት ምጽንሓ፡ ኣብ ኮሚሸን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ንግድን ኢንዳስትሪን ኣልበርት ሙቻንጋ ተዛሪቡ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታታት ናብ ሰላማዊ ምርድዳእ ብምምላሱ፡ ኣብ ዙርያ'ቲ ስምምዕ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝርራብ ሕቶ ከም ዘቕረበት እውን ገሊጹ።

"ኣብ መስርሕ ግዜ ንሳ'ውን ናይቲ ስምምዕ ኣካል ክትኸውን'ያ" ኢሉ።