ዊምበልደን 2019፡ ሰሬና ዊልያምስ ሜዳ መጻወቲ ተኒስ ብምብልሻዋ ተቐጺዓ

ሰሬና ዊልያምስ Image copyright Reuters

ሰሬና ዊልያምስ ኣብ ቅድመ ምድላው ውድድር ንሓደ ካብ ሜዳ መጻወቲ ተኒስ ዊንበልደን ብራኬት ብምብልሻዋ 10,000 ዶላር ተቐጺዓ።

እቲ ፍጻሜ ኣብ ግዜ ልምምድ ንምድላው ናይዚ ዓመት ውድድር ተኒስ እንግሊዝ ኢዩ ኣጋጢሙ።

ሸውዓት ግዜ ቻምፒዮን ዊምበልደን ዝኾነት ጓል 37 ሰረና ዊልያምስ ናይ 2019 ሻድሻይ ውድድራ ኢያ ተካይድ ዘላ። ብሰኑይ ንካርላ ሱዋረዝ ናቫሮ ብምስዓራ ናብ ርብዒ ፍጻሜ ሰጊራ ኣላ።

ኢጣልያዊ ፋቢዮ ፎኒኒ "ዊምበልደን ክድብደብ ኣለዎ" ድሕሪ ምባሉ 3000 ዶላር ተቐጺዑ ነይሩ።

እቲ ወዲ 32 ኢጣልያዊ ብቀዳም ኣብ ሳልሳይ ዙር ብተንይስ ሳንግሪን ድሕሪ ምርትዑ ኢዩ ነቲ ዘረባ ዝደርጎሖ።

ብብሉጽነት ኣብ መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ኣሜሪካዊት ሰሬና፡ ኣብዚ ዓመት ብመጉዳእቲ ብርኪ ትሽገር ከም ዘላ ኢዩ ዝግለጽ።

ንናይ ዓለም ቀዳመይቲ ተጻዋቲት ኣሽሊ ባርቲ ድሕሪ ምስዓራ ኣብ ናይ መወዳእታ ሸሞንተ ምስ ጓል ሃገራ ኣሊሰን ሪስከ ክትፋጠጥ ኢያ።