ኢትዮጵያ፡ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ

ኣብዪ ኣሕመድ Image copyright AFP

ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናጽነት ሚዲያ ዘርኣዮ ለውጢ ንድሕሪት ይጎቶ ኣሎ ክብል ነቒፉ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ምክልኻል ምስ ህዝቢ ዘገራጭው ጸብጻባት ዘቕርቡ ጋዜጠኛታትን ናይ ሚዲያ ማዕኸናትን ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም ምዃኑ ዝገልጽ መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብድሕሪ እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቐዳማይ ሚኒሰትር ኣብዪ ኣሕመድ ወርሒ ማዚያዚያ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ጸሃፍትን ብምፍታሕ ናጽነት ሚዲያ ይግድብ'ዩ ተባሂሉ ዝንቀፍ ዝነበረ ኣዋጅ ክለዓል ገይሩ'ዩ ዝብል ጠቒሱ።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2018፡ ኩሎም እሱራት ብምፍትሖም ዋላ ሓደ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ዘይብላ ሃገር ተባሂላ ተሞጊሳ ነይራ ይብል።

ይኹን'ምበር፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽም ሰራዊት ምክልኻል ዘጥፍኡ ጽሑፋት ዝጽሑፉ ጋዜጠኛታትን ማዕኸናት ዜናን ክኸስስ ምኻኑ ብምግላጽ ዝሓለፈ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኢሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ቐርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቐላያትን ጆዋን ንያንዩኪ፡ "እዚ ማእሰርቲ ኣብ 2018 ንዝመጽኡ ውቁባት ምዕባለታት ንድሕሪት ዝጎትት'ዩ። ብምኻኑ ድማ ኩሎም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ዝተመስረተሎም ኽሲ ውዱቕ ክግበርን ኣለዎ" ኢሉ።

ከም ሓበሬታ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈቲኑ ዝተብሃለ 'ዕልዋ መንግስቲ' ክልተ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም፤ ብኣዋጅ ግበረራዕዲ ኽሲ ከም ዝምስረቶም ድማ ተገሊጹ'ዩ። ኣባላት ‘ቤትምኽሪ ባለኣደራ’ ምስቲ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ ብዝተተሓሓዘ ብሽበራ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም

ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳን ዝተፈጸሙ ቕትለታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልልን ሓይሊ ምክልኻልን፡ ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑን ካልኦትን ብ22 ሰነ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተው ይዝከር።

ተወሳኺ ዛንታ