ኦሮሚያ፡ ዘይሕጋዊ ሸጓጉጥን በላሕቲ ነገራትን ዝርከቦ ኣጽዋር ተታሒዙ

ዝተታሕዝ ብረታት Image copyright EPRDF/Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘጸገም ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ብረት ንኢትዮጵያ ዓቢ ብድሆ ኮይንዋ ይርከብ

ኣብ ከተማ ኣምቦ፡ ክልል ኦሮሚያ፡ 249 ብረታት ከም ዝተታሕዘ ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጠቒሱ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ 138 ጠበንጃ፡ 76 ሽጉጥን 36 ካራታትን ምትሓዞም ፓሊስ ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ ይብል።

እቲ ብረት ኣብ መንበሪ ኣባይትን፡ ናይ ፍተሻ ነቑጣታትን'ዩ ክተሓዝ ኪኢሉ ክብል ኣዛዚ ፓሊስ ናይታ ከተማ ኣረጋጊጹ ክብል'ውን ይገልጽ።

ይኩን'ምበር፡ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ሎሚ ኣማስዩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ እዚ ዝበሃል ዘሎ ኣጽዋር ዝፈልጦ ሓበሬታ የብለይን ኢሉ።

ምኽትል ኮማንደር ሙላቱ ኣለሙ፡ ፖሊስ ኣብ ቀረባ ሰሙና ብዘካየዶ ተፍትሽ ዝተትሓዘ ኣጽዋር ክንድቲ ዝተገለጸ ኣይኮነን ኢሉ።

"ኣብታ ከተማ ብተፍትሽ ዝተትሓዘ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ሓደ ሽጉጥን ሓሙስተ ጥይትን ኮይኑ፡ ህዝቢ ብዝሃቦ ሓበሬታ 90 ናይ ሺሻን ኣቑሑትን፡ 35 ካራታትን ጥራሕ'ዮም ተታሒዞም"።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዘጸገም ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ብረት ንኢትዮጵያ ዓቢ ብድሆ ኮይንዋ ይርከብ። ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ኣሽሓት ዝቑጸር ዝተፈላለየ ዓይነት ብረታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዉ ሰብ መዚ ጸጥታ'ታ ሃገር ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ፓሊስ እታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ከም ዝሓበሮ፡ ብዶባት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ናብታ ሃገር ዘይሕጋዊ ብረት ክውሕዝ ጸኒሑ'ዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ብረታት ስራሓት ቱርኪ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ግብጺ ዝስርሑ'ውን ከም ዝተረኽቡ ሓለፍቲ ጸጥታ ተዛሪቦም ነይሮም።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝተፋላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ ኣጽዋር መኽዘናት ብምዝማቶም፡ ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር፡ "ገለ" ክልላት ኣንጻር ካልኦት ንምዕጣቕ ይጥቀምሉ ኣለዉ ክብል'ውን ተሰሚዑ'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2018 ኣብ ክልል ኣምሓራ ገንዳውሃ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኣብ ዝተገልበጠት ነዳዲ እትፅዕን 'ቦጥ' መኪና 97 ክላሽንኮቭ፣ ሓደ ሽሕን 291 ሽጉጥ ከምኡ ድማ 3 ብሬን ተረኺቡ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት'ውን፡ 999 ሽጉጥን 30 ክላሽንን ካብ ሱዳን እንትኣቱ ኣብ ጎንደር ተታሒዙ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ