ኣብ ናይጄርያ ብፌስቡክ ዝተፈጸመ መርዓ ኣብ ልዕሊ መርዓዊ ናይ ሞት ምፍርራሕ ኣስዒቡ

Hisbah Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እስላማዊ ፖሊስ ከተማ ካኖ ንመርዓዊ ሳኑሲ ኣብዱላሂ ይሃድን ኣሎ

ኣብ ፌስቡክ ናይ ላግጺ መርዓ ዘዳለዉ ኣርባዕተ ናይጄርያውን ምስ እስላማዊ ስርዓት ዘይቃዶ ተግባር ፈጺሞም ብዝብል ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖም ኣሎ።

መርዓዊ ሳኑሲ ኣብዱላሂ፡ ብኢንተርኔት [ብፌስቡክ] ዝተፈጸመ መርዓ፡ ናይ ፌስቡክ መሓዝኡ ንዝኾነት መርዓት 'ብቐልዲ' 56 ዶላር ከም ዝወፈየላ ተኣሚኑ።

ሃይማኖታዊ መራሕቲ፡ እቲ ተግባር ንሃይማኖታዊ ስርዓት ዘላግጽ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ካኖ ሓንቲ ካብተን ሃይማኖታዊ ፖሊስ ንእስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ዘፈጽመለን 12 ሰሜናዊ ግዝኣታት'ያ።

ወዲ 29 ዓመት ኣብዱላሂ፡ ምስታ ናይ ፌስቡክ መሓዝኡ ብዛዕባ እቲ መርዓ ዝገበርዎ ዝርርብ ንቐልዲ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካልኦት መሓዙቱ ድማ ናብቲ ናይ ክልቲኦም ዝርርብ ተሓዊሶም፤ እቲ ሓደ መርዓት ንመርዓዊ ዘረክብ [ኣብ ስነስርዓት መርዓ- ኣቦ ወይ ሓው ንመርዓት ሒዞም ብምምጻእ ንመርዓዊ የረክብዋ] ክኸውን፡ እቲ ካልእ ከኣ "ምስክር" ሓዳሮም ኮይኑ ክቐርብ ተረዳዲኦም።

ብዛዕባ'ዚ ዝገልጽ መረዳእታ ኣብ ፌስቡክ ምስ ተዘርገሐ፡ ናይቲ ከባቢ ማዕኸናት ዜና ተቐባቢለንኦ'የን።

ሃይማኖታዊ መራሕቲ'ውን ክዘራረቡሉ ምስ ጀመሩ ፖሊስ ነቶም ሰባት ክቕይድ ጸዊዖም።

ኣብ ካኖ ፍሉጥ ሃይማኖታዊ መራሒ ዝኾኑ ሸኽ ናዚፍ ኢኑዋ፡ እቲ ተግባር ካብ እስላማዊ ስርዓት ወጻኢ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

"ኣብ ኢስላም 'ፋሉል' ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ እየን ናብቲ ዝፈትወን ሰብ [መርዓዊ] ወሲዱ ዘረክበን ወላዲ ወይ ተጸዋዒ ኣብ ዘይብሉ ከምዚ ዝበለ መርዓ ዝፍጽማ። ሳኑሲን መሓዙቱን'ውን ነዚ እዮም ፈጺሞም። እስላማዊ መርዓ ብኸምዚ ተፈጺሙ ኣይፈልጥን" ኢሎም።

ብተደጋጋሚ ናይ ምፍርራሕ መልእኽቲ ብጽሑፍ ክበጽሖም ዝጀመሩ ኣብዱላሂን መሓዙቱን ክሕብኡ'ዮም ወሲኖም።

ካብ ሓደ መንነቱ ዘይተፈለጠ ሰብ ጥቕዓት ስለዝተፈጸሞ ከኣ ናብ ሂስባሕ [ሃይማኖታዊ ፖሊስ] ከይዱ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱን ብቐልዲ ንዝፈጸሞ መርዓ ይቕረታ ሓቲቱን'ዩ።

ኣባ ሱፊ - ሓላፊ ሂስባሕ፡ እቶም መናእሰይ ንዝሓተትዎ ይቕረታ ከም ዝተቐበሉን ነቲ ስሕተት መሊሶም ከይፍጽምዎ ከም ዝመዓድዎምን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፈት ጓል-ኣንስተይቲ [መርዓት] ዝበጽሓ ቕጽዓት'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣፍቃሪኣ ግን ብተግባራ ተቖጢዑ ክገድፋ ወሲኑ'ሎ።

ኣብዱላሂ'ውን ሕጽይቱ ገዲፋቶ ከም ዝኸደት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ተወሳኺ ዛንታ