ኣባላት ኣብንን ኦነግን ይእሰሩ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣርማ ሰልፊ ኣብንን፡ ወተሃደራት ኦነግን Image copyright JONATHAN ALPEYRIE/ NAMA

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ ክልል ኦሮምያን፡ ኣባላትን ደገፍትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብሄራዊ ምንቕስቓስ ኣምሓራን ይእሰሩ ምህላዎም፡ ውሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣይተ ቶሌራ ኣደባን ኣቦ ወንበር ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ኣይተ ደሳለኝ ጫኔን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ሓቢሮም።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምድላዩ ከይንቀሳቐስ ጸቕጥታት ይበዝሖ ከም ዘሎ ዝሕብር ውሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣይተ ቶሌራ ኣደባ፡ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ፣ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ኦሮምያ ኣባላቱን ደገፍቱን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ ካብቶም ዝተኣሰሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ከም ዝርከቦም ገሊፁ።

"ብዙሕ ሰብ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተኣርዩ ይእሰር ኣሎ፡ ካብዞም ይእሰሩ ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት፡ ኣባል ማእኸላይ ሽማግለን ደገፍትናን ኣለዉ፡ ክሳብ ሕዚ ዝውሃበና ዘሎ ምኽንያት ከኣ ኣጻሪና ክንፈትሖም ኢና ዝብል እዩ። ኩሉ ተኣሲሩ ዘሎ ኣባልና እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡ ንሕና ክሳብ ሕዚ ናይቶም ዝተኣሰሩና ስም ዝርዝር ንዝምልከቶ ኣካል ኣብ በብግዚኡ ክነቕርብ ጸኒሕና ኢና።" ብምባል ገሊኦም ኣባላቶም ንቁሩብ ግዘ ኣሲሮም ዝፈትሕዎም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ካብዚ ፍልይ ዝበለ ግን ካብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጀሚሮም ምስ ካልእ ነገር ኣተኣሳሲሮም ንምእሳሮም ጎስጓስ ዝገብርሉ ኣለዉ፡ ስለዚ እቲ ዝነበረ ነገር እዩ ዝቕጽል ዘሎ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን" ኢሉ።ምክትል ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ኮሮኔል ኣበበ ገረሱ ግን፡ ኣባል ኦነግ ኢኻ ወይ ትድግፍ ኢኻ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ውልቀ ሰብ ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።"ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተመሲሎም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈሩ፡ ኣብ ከተማን ኣብ በረኻን ህዝብና ዝቕትሉ ዘለዉ፡ ሰብ ቀቲሎም ሬስኡ ዘቃጽሉ፡ ነዞም ከምዚ ዝገብሩን፡ ዝድግፉን ከምኡ'ውን ናብ በረኻ ወጺኦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኵናት ዝኣወጁን እንተዘይኮይኑ ዝተኣሰረ ሰብ የለን" ኢሉ።

"ንሕና ንሸፋቱ ንሃድን እምበር ኣባል ኦነግ ኢኻ ወይ ንኦነግ ትድግፍ ኢኻ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ውልቀ ሰብ የለን" ክብል ድማ መልሲ ሂቡ።

ብካልእ ወገን፡ ኣቦ ወንበር ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ኣይተ ደሳለኝ ጫኔ ብወገኑ፡ ኣባላትን ደገፍትን እቲ ሰልፊ (ውድብ) ኢኹም ተባሂሎም ኣስታት 500 ሰባት ካብ ምዕራብን ምብራቕን ሃረርጌ፣ ካብ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ናዝሬት፣ ሻሸመኔን ካልኦት ከባቢታትን ተታሒዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኦሮምያን ቤንሻጉል ጉሙዝን ተኣሲሮም ምህላዎም ሓቢሩ።

"ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ኣባላት መሪሕነትን ዝግበር ዘሎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ምስ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምትእስሳር ስለ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ከም ዘለዎ ኢና ኣምን" ዝበለ ኣይተ ደሳለኝ፡ እዚ ስጉምቲ ንሰራሕተኛታት መንግስትን ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ደው ይበል ኢሎም ሕቶ ንዘቕረቡ'ውን ከም ዝርከብዎም በጺሕናዩ ኣለና" ኢሉ።

እዚ ማእሰርቲ ኢ-ፍትሓዊ ምዃኑ ዝዛረብ ኣይተ ደሳለኝ፡ ንብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ንምድኻምን በዚ ተሰናቢድና ካብ ጀሚርናዮ ዘለና ቃልሲ ክነድሐርሕር ተሓሲቡ ዝተገበረ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ። ስለዚ እዚ ማእሰርቲ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ይግበር ዘሎ ማእሰርቲ፡ ኣካል ምኽባር ሕጊ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ምዝራቡ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት