ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንመዝነት መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንሓደ ዓመት ኣሐዲሱ

ፍልይቲ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ Image copyright UN Web TV

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመዝነት ፍልይቲ መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ንሓደ ዓመት ኣናዊሑ።

በዚ መሰረት ዳኒኤላ ክራቨዝ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተኸታቲላ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ጸብጻብ ከተቕርብ ትጽቢት ይግበረላ።

ኣብቲ ውሳነ ካብ ዝተሳተፋ 47 ሃገራት፤ እተን 21 ነቲ ውሳኔ ክድግፋ እንከለዋ፤ 13 ድማ ተቓዊመንኦ። እተን ዝተረፋ 13፡ ድምጸን ኣይሃባን።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝተሳተፋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር እቲ ውሳነ ኣድሚጸን። ኤርትራን ገለ ካልኦት ሃገራትን ዋላኳ ነቲ ውሳነ እንተተቓወምኦ፤ ዝበዝሐ ደገፍ ብምርካቡ፡ ክሓልፍ ኪኢሉ'ሎ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2012፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ፡ ፍልይቲ መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣቝሙ።

እዛ ፍልይቲ መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ንሓደ ዓመት ንኹሎም ኣብ ኤርትራ ተኻይዶም ዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትምርምርን ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻባ እተቕርብ እያ።

መንግስቲ ኤርትራ ብተኸታታሊ ንዝሓለፈ ዓመታት፡ ምስ ፍልይቲ መርማሪት ክተሓጋገዝ፡ ከምኡ ድማ ፍልይቲ መርማሪት ናብ ኤርትራ ተጓዒዛ ክትምርምር ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ፍልይቲ መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዘቅረበቶ ጸብጻብ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙን ይፍጽሙ ከምዘለዉን፡ ብኢደወነን ዝግበር ማእሰርትን ቀይድን፡ ኣብ ናይ ቀይዲ ቦታታት ዘሎ መጠኑ ዝሓለፎ ብዝሒ እሱራት፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሰባት ከምዝሞቱ'ውን ኣመልኪታ ነይራ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ግህሰት ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ከምኡ'ውን ግዱድ ዕስክርና፡ ምኽንያት ዘየቋርጽ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራ ኮይኑ ከም ዘሎ ጸብጺባ ነይራ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
"ኣብ ኤርትራ ብህይወት ክትነብር ኣጸጋሚ ምዃኑ ተረዲኢና"