ኣግራብ፡ ፍቱን መድሃኒት ምቅይያር ክሊማን ዓለማዊ ዋዒን ድዩ?

ኣግራብ Image copyright Sutthipong4222

ተመራመርቲ ስነ እጸዋትን ክላይመትን፡ ኣብ ዓለምና ክንዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኸውን ኣግራብ ክትከሎ ዝኽእል ቦታ ከምዘሎን እቲ ቦታ በግራብ እንተተሸፊኑን፡ ዓለማዊ ዋዒ ከምዝንክን፡ ኣብ ህዋ ንዝርከብ ካርቦን ዳዮክሳይድ ( CO2) ብ25% ከምዘጉድሎን ገሊጾም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ቀንድን ዉጽኢታዊ ፍታሕ ንዓለማዊ ዋዒ ምግራብ ከምዝኾነ ይሕበሩ። እንተኾነ በዚ ዝተባህለ ዘይሰማምዑ ካልኦት ተመራመርቲ ምህላዎም እቲ ርኽበት ምርምሮም የረድእ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብደርቅን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝባደመ መሬት ኤርትራ ንምሕዳስን፡ ብውሕጅን ፍግረ-መሬትን ንዝተባሕጎገ መሬት ንምርጋእን ኣብ 1994 ወፍሪ ክረምታዊ ማእቶት ተማሃሮን መንእሰያትን ተኣዊጁ እዩ።

በዚ ድማ፡ ብዙሕ ዛላታታትን ከትሪታትን ብምስራሕ ኣስታት 24 ሚልዮን ፈልሲ ከምዝተተኽለ ብሓሙስ 04 ሓምለ 2019 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ ሕታም መበል 28 ዓመት ቁ.263፡ "ተልእኾ ክረምታዊ ማእቶት፡ ዝደኸየ መሬትና ናብ ንቡር ንምምላስ'ዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝወጽአ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ወፍሪ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ከኣ፡ ኣስታት 480 ሽሕ ተማሃሮን ልዕሊ 20 ሽሕ ኣወሃሃድቲን ኣብቲ ወፍሪ ከም እተሳተፉዎ ሰነዳት እቲ ሚኒስትሪ ከምዘመልክት ተሓቢሩ።

ምግራብ፡ ቀንዲ ፍታሕ ምክልኻል ዓለማዊ ዋዒ ምዃኒ ዝገልጽ እቲ ዓለማዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓለምና ክንዲ 'ሜዳ ኩዑሶ' ዝኣክል ናይ ኣማዞን ጫካ ኣብ ሓደ ደቒቕ ከምዝጠፍእ፤ ጥፍኣት ትሮፒካዊ ኣግራብ እንዳ በዝሐ ይኸይድ ምህላዉን፤ ስለዚ ከኣ መጠን ዓለማዊ ሙቐት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይሕብር።

ኣግራብ፡ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ( CO2) ናይ ምስሓብ ክእለት ስለ ዘለዎም ክሳብ ሕጂ ንምክልኻል ዋዒ ክላይመት እሙን ፍታሕ ኮይኑ ይርከብ።

ኣህጉራዊ ምምሕዳር ምቅይያር ክላይመት፡ ክሳብ 2050 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ዓለምና ንዘሎ ብዝሒ ካርቦን ብ 1.5C ክንቅንሶ፡ ሓደ ቢሊዮን ሄክታር ዝኣክል መሬት በግራብ ክንሽፍኖ ከምዘሎና ይሕብር።

ይኹን እምበር፡ እንታይ ዓይነት ኣግራብን ብዝሕን ኣበይ ክትከል ከምዝከኣልን፡ ብልክዕ ክንደይ ዝኣክል ካርቦን ክመጺ ከምዝኽእልን ገና ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ምንጻር የድሊ።

Image copyright Getty Images

ምኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ፡ ዓመት መጽአ፡ ዛጊት ን25 ዓመታት፡ ብተሳትፎ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ: ሃገር በግራብ ንምልማዕ ዓበይቲ ንጥፈታት ከሰላስል ጸኒሑ ኣሎ። ኤርትራውያን ተማሃሮ፡ ኣብ ክረምታዊ ዕረፍቶም፡ ዝደኸየ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉ ጸኒሖም እዮም።

ለብዘበን እውን ኣስታት 30 ሽሕ ተማሃሮን 1500 ኣለይትን ክኢላታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኤርትራ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፈልሲ ኣግራብ ክተኽሉ ምውፋሮም ሓላፊ ጨንፈር ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት፡ መምህር ፍትዊ ወልደገርግስ ምግላጹ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

እዚ ምግራብን ምዕቃብ ሓመድን ከኣ ኣብቲ ተመራመርቲ ዓለማዊ ዋዒ ከም ፍታሕ ዘቕርብዎ ዘለው ምግራብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ።

ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ሳይንቲስት፡ ፎቶ ኢንተርፕረቴሽን ዝበሃል ኣገባብ ተጠቒሞም፡ ብትዕዝብቲ ዓለማዊ ዳታሰት (ሓቃዊ ጭብጥታት) 78ሽሕ ሄክታር ኣግራብ ክበቑለሉ ዝኽእል ቦታ ዳህሳስ ኣካየዱ። እቲ ብሶፍትዌር ጉግል አርዝ ዝተደገፈ መጽናዕቲ ከኣ ዓለምና ኣብቲ 0.9 ቢልዮን ሄክታር (2.22 ቢልዮን ኤከር) ዝኣክል ዕሩቕ መሬታ ኣግራብ ክበቁል ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እቲ አግራብ ምስ ጠጠዐ ከኣ፡ ካብቲ ወዲ ሰብ ብእንዱስትሪያዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ኣትሞስፌር ዝፈጥሮ ብከላ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ክሳብ 200 ጊጋቶን ዝኣክል ክልተ ስልሲት፡ ማለት ሓደ ርብዒ ናይቲ ኣብ ሃዋሁው ተዘሪኡ ዘሎ ዘሎ ተጓዳኢ ጋዝ ማለት እዩ።

ፕሮፌሰር ቶም ክሮውዘር፡ ዝዓበየ ደራሲ ናይዚ መጽናዕቲ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘካይድናዮ መጽናዕቲ፡ እቲ ንምቅይያር ክላይመት ዝሕግዝ ዝበለጸ ፍታሕ፡ ነዚ ዘለና ጫካታት ዳግማይ ምህናጽ እዩ። ከምኡ ዉን ጭቡጥ መርትዖ ስለ ዘሎ ንወፍሪ ልምዓት ኣግራብ ቅቡል ምኽንያት እዩ" ክብል ይገልጾ።

"ሕጂ ስጉምቲ እንተወሲድና፡ ካብቲ ኣብ ህዋ ( ኣትሞስፌር) ዘንሳፍፍ ዘሎ ካርቦን ዳይኦክሳይ 25% ክንንኪ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዓይነት ዉጽኢት ድማ ቅድሚ ሓደ ዘመን እዩ ተራኢዩ" ኢሉ።

እቶም ተምራመርቲ፡ ኣግራብ ክትከሎ ዝኽእል ዝዓበየ መሬት ዘለወን ሽዱሽተ ሃገራት ፈልዮም ኣለው። ሩስያ (151 ሚልዮን ሄክታር)፡ ካናዳ (78 ሚልዮን)፡ ኣዉስትራሊያ (58 ሚልዮን)፡ ብራዚል ( 50 ሚልዮን)፡ ከምኡ'ዉን ቻይና ( 40 ሚልዮን ሄክታር) ኣለወን።

ይኹን እምበር ፍጥነት እዩ እቲ ፍረ ነገር። ዓለም እንዳዉዓየት ትኸይድ ስለዘላ እቲ ኣብ ትሮፒክ ዝግበር ምግራብ እንዳጎደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ፕሮፌሰር ክሮውዘር "ክሳብ እቲ ጫካታት ዝምዕብልን፡ ዕቑር ዓቕሚ ክሳብ ዝህልዎን ልዕሊ 10 ዓመት ኣቢሉ ክወስድ እዩ" ይብል።

"ነዚ ዘለና ጫካታት ክንከናኸኖን፡ ኣብ ቁጠባና እንጥቀመሉ ጸዓት ኣማራጽን ፍታሕን ክንደልየሉ ኣገዳሲ እዩ"

ሓላፊት ምክትታል ክላይመት ነበር፡ ኣብ ውዕል ክላይመት ፈረንሳ 2015 ኣብ ምስንዳእ ቀንዲ ተዋሳኢት ዝነበረት ክሪስቲና ፊጉረስ፡ " ናይ ሕርሻን መንበርን ቦታታት ከይተተንከፈ እቲ ዕሩቕ መሬት በግራብ ክሽፈን ኣለዎ" ክትብል ጸብጻባ ሂባ።

ኤርትራ ብዓቕማ ብወፍሪ ልምዓት ተማሃሮ ክትገብሮ ዝጸንሐትን ዘላን ምግራብን ምዕቃብ ሓመድን ከኣ ከም ኣካል ናይዚ ዓለማዊ ወፍርን ጻዕርን ክቑጸር ይከኣል እዩ ይብል፡ ኣብ ወፍሪ ምግራብ ቀረባ ተመኩሮን ዝኽርን ዘለዎ መምህር ሰሎሞን።

እቶም ነቐፍቲኸ እንታይ ይብሉ?

ይኹን እምበር፡ እቲ "ዓለማዊ ዋዒ ንምንካይ ብብዝሒ ኣግራብ ምትካል" ዝብል፡ ኣብዚ ዝተገብረ ዓለማዊ መጽናዕትን እማመን ሓባራዊ ስምምዕ ስለዘይነበረ ኣብ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኡ ስክፍትኦም ይገልጹ።

ፕሮፌሰር ማይልስ ኣለን ካብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ "ምግራብ ዋላ'ኳ ዉጽእታዊ ይኹን እምበር፡ ዝበለጸ ፍታሕ ግን ኣይኮነን። ንትፍኣት (ምምንጫው) ካርቦን ዳይ-ኦክሳይድ ናብ ዚሮ ክንስሕቦ ብሕጂ ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮ እዩ" ይብል።

ካልኦት ተመራመርቲ ድማ ኣብ ህዋ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ካርቦን ዳይ-ኦክሳይድ ክኽዘን ከምዝኽእል ስግኣቶም ነገሩ።

"እቲ ግምታዊ ጸብጻብ 900 ሚልዮን ሄክታር ን205 ቢልዮን ቶን ካርቦን ክኸዝን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳባት ልዕሊ ዓቕሚ ከምዝኾነን፡ ቅድሚ ሕጂ ዉን ዝኾነ ዝተገብረ ፈተነን ስለዘየለን ኣተኣማማኒ ኣይኮነን" ይብል ፕሮፌሰር ሳይሞን ልዊስ ካብ ዩኒቨርስቲ ኮሌጅ ሎንደን።

ፕሮፌሰር ማርቲን ሉካክ እውን ካብ ዩኒቨርስቲ ሬዲን፡ ኣግራብ ብትምካል ክልተ ስሊስት ሸኸም ካርቦን ከጉድል ይኽእል እዩ ንዝብል ሓሳብ ንክትኣምኖ ዘጸግም'ዩ" ኢሉ።

ደቂ ሰባት፡ ክሳብ ሕጂ፡ ጫካታት ብምዕናው ኣብ ዋዒ ክላይመት ዓለምና ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም እሞ ኣብ ምፍዋሱ ከኣ እጃሞም ከበርክቱ ይሕተቱ ኣለው - ኤርትራ ከኣ ካብቲ ከም ነጻ ሃገር ካብ እትቐውም ኣትሒዛ ዝፈታተነቶ ተበግሶ እጃማ ተበርክት ኣላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት