ኣር.ኬሊ 'ንወሲባዊ ንግዲ ሰባት ብምዝውዋር' ተኸሲሱ ተኣሲሩ

ኣር.ኬሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ብዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ እንከሎ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣር.ኬሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ብዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ እንከሎ

ውሩይ ደራፋይ ኣር.ኬሊ፡ 'ንወሲባዊ ንግዲ ሰባት ብምዝውዋር' ተኸሲሱ ኣብ ቺካጎ ተኣሲሩ።

እቲ ሙዚቀኛ፡ ህፃናት ንወሲብ ክብዝበዝ እንከለዉ ምስ ዘርኢ ስእልታት ብዝተኣሳሰር፡ ከምኡ ድማ ከይዲ ፍትሒ ንምዝባዕ ፈቲንካ ዝብል ሓዊሱ 13 ክስታት ከምዘለውዎ ተገሊጹ'ሎ።

ወዲ 52 ዓመት ኣር.ኬሊ፡ ብፖሊስ ከተማ ኒውዮርክን ኣባላት ድሕነት ውሽጢ ዓድን እዩ ተኣሲሩ።

ኣር.ኬሊ ብርክት ዝበሉ ክስታት ፆታዊ መጥቃዕትታት ዋላ እኳ እንተቐረበሉ፡ ንሱ ግን ንልዕሊ 20 ክስታት ገበነኛ ኣይኮንኩን ብዝብል ተኻቲዑ እዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣር. ኬሊ ኣብ ቤት-ፍርዲ (መጋቢት)

ብስሩዕ ስሙ ሮበርት ኬሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣር.ኬሊ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዒስራ ዓመታት ብዙሓት ክስታት ጾታዊ መጥቃዕቲ እዮም ቀሪቦምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እውን ኣር. ኬሊ ምስ ፆታዊ ግህሰት ብዝዛመድ 10 ክስታት ቀሪብሉ እዩ። ንሱ ግን ገበነኛ ከምዘይኮነ ኣብ ቤት-ፍርዲ ተኻቲዑ እዩ፤ ደሓር ድማ ብዋሕስ ተፈቲሑ።

ክስታት ፆታዊ ግህሰትን መጥቃዕትታን ኣር.ኬሊ ግና በዚ ኣየብቅዐን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ብካልኦት 11 ተወሰኽቲ ክስታት ፆታዊ ግህሰት ተፈሪዱ እዩ።

ስሙይ ድምፃዊ ኣር.ኬሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን፡ ካብ 13 ክሳብ 16 ንዝዕድሚአን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ፆታዊ ግህሰት ፈጺምካ ብዝብል ገበን ተኸሲሱ እዩ፡ ንሱ ግና ኣይወዓልክዎን ኢሉ ካብ ምክታዕ ንድሕሪት ኣይበለን።

እቲ ሕዚ ብፌደራል ዓቃቢ-ሕጊ ኣመሪካ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ፡ ምስቶም ሕሉፋት ክስታቱ ዝተሓሓዙ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ኣይተፈለጠን።

ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓደ ሰብ ብፌደራል ዓቃቢ-ሕጊ ክኽሰስ ዝኽእል፡ ኣብ ብዙሓት (ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ) ግዝኣታት ሕጊ ምስዝጥሕስ እዩ።

ኣብ 2008፡ ወሲባዊ ስእሊ ህፃናት ተጠቒሙ ብዝብል ክሲ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፡ ሻቡ ግን ብናፃ ተለቒቑ እዩ።

ቢቢሲ ኒውስ ቢት፡ ንወኪል ኣር.ኬሊ፣ ፖሊስ ከተማ ኒውዮርክን ኣብ ቺካጎ ንዝርከብ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካን ንሓበሬታ ተወኪሱዎም እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ