ኣብ ትግራይ 3 ማእኸላት ኣትሌትክስ ከምዝህነፅ ተገሊፁ

ኣትሌት Image copyright Awetehagn Berhane

ኣብ ትግራይ ተተካእቲ ኣትሌታት ንምፍራይ ሰለስተ ማእኸላት ኣትሌቲክስ ንምህናፅ ትልሚ ተታሒዙ ይሰራሕ ከምዘሎ፡ ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር ገ/ማርያም ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣብ ከተማ መቐለ ፅባሕ ሰንበት 7 ሓምለ ዝካየድ "ናትና ጉያ" ብዝብል ዝፍለጥ ስፖርታዊ ውድድር ጉያ 10 ኪ.ሜ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ነዚ ማእኸል መስርሒ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዛት ንምትእኽኻብ ምዃኑ እቲ ኣትሌት ወሲኹ ሓቢሩ።

ስሙይ ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር ገ/ማርያም ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣትሌት ወርቅነሽ ዝውንኖ ትካል "ናትና ስፖርት"፤ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ተተካእቲ ዝፈርዩለን ማእኸላት ንምህናፅ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኮይኑ፡ ንግዚኡ ሰለስተ ማእከላት ንምህናጽ ትልሚ ኣለዎ።

እተን ሰለስተ ማእኸላት ኣትሌቲክስ፡ ኣብ ወረዳታት ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ፣ ኣፅቢ ወንበርታን ኣብ ከባቢ ማይጨውን እየን ክስራሓ ተባሂሉ።

እዘን ማእከላት ተሃኒጸን ምስተወደኣ፡ መንግስቲ ተረኪቡ ከምዘመሓድረን ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ብስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ኣቢልካ ንትግራይ ኣብ ዓለም ንምልላይ ይዓምም ምህላዉ ዝዛረብ እቲ ኣትሌት፤ በቲ "ሓድነት ትግራይ ተራእዩሉ" ዝበሎ ፃዕርታት ጋንታታት ኩዕሶ ስሑል ሽረን ወልዋሎን ተወሲኽዎ ዝተረኽበ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዘሐጎሶ ይዛረብ።

Image copyright Awetehagn Berhane

ዓብዪ ጉያ 'ናትና ስፖርት'፡ ሎሚ ብህፃናት ዝጀመረ ኾይኑ ኣብቲ ፅባሕ ዝካየድ ናይ ዓበይቲ ቅድድም ድማ፡ ቀዳማይ ንዝወፀ 60 ሺሕ፣ 2ይ ንዝወጸ ድማ 30 ሽሕ ብር ሽልማት ዝወሃብ ኮይኑ፤ በብደረጅኡ ክሳብ 7ይ ዝወጹ ተቐዳደምቲ ክሽለሙ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት