ፌስቡክ 5 ቢሊየን ዶላር ክቕጻዕ እዩ

ኣርማ ፌስቡክ Image copyright Reuters

ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ዝበሃል ተቖጻጻሪ ኣካል፡ ፌስቡክ 5 ቢሊየን ዶላር ክቅጻዕ ወሲኑ። እዚ ውሳነ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተመሓላለፉ መቕጻዕትታት ገንዘብ እቲ ዝለዓለ እዩ።

ፌስቡክ፡ ናይ ተጠቀምቱ ውልቃዊ ሓበሬታ ክሕልው ኣይከኣለን ብዝብል እዩ ነዚ መቕጻዕቲ ክኸፍል ተወሲኑዎ ዘሎ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ ዝኾነ ካምብሪጅ አናሊቲካ ዝበሃል ትካል፡ ብዘይግቡእ መገዲ ናይ ኣስታት 87 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ሓበሬታ ረኺቡ እዩ ንዝብል ክሲ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ከጻርዮ ጸኒሑ እዩ።

እዚ መቕጻዕቲ 3 ን 2 ብዝኾነ ድምጺ እዩ ብኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ።

ፌስቡክ ኮነ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክ ዝገብሮ ምጽራይ ዝጀመረ ዝሓለፈ መጋቢት ክኸውን ከሎ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ ዝኾነ ካምብሪጅ አናሊቲካ ዝበሃል ትካል ብዓሰርተታት ሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ሓበሬታ ክረክብ ከምዝኸኣለ ተገሊጹ ነይሩ።

ቀንዲ ትኹረት ናይቲ ምጽራይ፡ ፌስቡክ ነቲ ኣብ 2011 ዝተገበረን ናይ ተጠቀምቱ ውልቃዊ ሓበሬታ ብዘይ ድልየቶም ንሳልሳይ ኣካል ኣሕሊፉ ከይህብ ዝኽልኽልን ሕጊ ጥሒሱዶ ኣይጠሓሰን ዝብል እዩ ነይሩ።

ፈለጥቲ ውሽጢ ንወል ስትሪት ጆርናል ከምዝሓበርዎ፤ ፌስቡክ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ክቕጻዕ ተወሲኑ እዩ። እቲ ውሳነ ግን ኣብ መንጎ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ፍልልይ ዝፈጠረ ከምዝነበረ ይገልጹ።

ኣባላት ሪፐብሊካን ነቲ ውሳነ ክድግፉ እንከለዉ፤ ኣባላት ዲሞክራት ድማ ተቓዊሞምዎ እዮም።

ገለ ኣባላት ዴሞክራት፡ አብ ልዕሊ ፌስቡክ ዝያዳ ጥቡቕ ገደብ ክንበር ኣለዎ፡ ካልኦት ድማ እቲ መቕጻዕቲ እኹል ኣይኮነን ክብሉ እዮም ነቒፎምዎ።

እቲ መቕጻዕቲ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ኣቢሉ እዩ ተፈጻሚ ክኸውን። እዚ ድማ፡ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዝወስድ ኣይተፈለጠን።

እቲ መቕጻዕቲ፡ ምስቲ ቅድም ክብል ፌስቡክ ባዕሉ 'ክሳብ 5 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ኢና ንጽበ' ኢሉ ዝገመቶ ተመሳሳሊ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት