ህቦብላ ሙንሱን ኣብ ህንድን ኔፓልን ሓያሎ ሰባት ቐቲሉ

ኣብቲ ዕልቕልቕ ሰባት ኣብ ጃልባ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ህንዲ ዕልቕልቕ ዘስዓቦ ጉድኣት

ኔፓልን ሰሜናዊ ምብራቕ ህንድን ዝሃረመ ሓይል ዝናብ ብዘኸተሎ ህቦብላ ሙንሱን ዕልቕልቕ ፡ ህይወት ሓያሎ ሰባት ሓሊፉ።

ኔፓል ብሓያል ዝናብ ኣብ ትህረመሉ ዘላ ብውሑዱ 43 ሰባት ከም ዝሞቱ ፖሊስ ንትካል ሚድያ 'ፕረስ ትራስት ኦፍ ኢንዲያ' ገሊጹ።

ብመሰረት መግለጺ ሂማላያ ታይምስ፡ ብሰንኪ ዝናብን ምህማም መሬትን ደሃይ 24 ሰባት ጠፊኡ ኣሎ።

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዕልቕልቕ ናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ህይወት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ።

እቲ ዝናብ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ኔፓል ልዕሊ 1,100 ሰባት ብፖሊስ ከም ዝደሓኑ ይግለጽ።

ኣበ ርእሰ ከተማ ካዝማንዱ መንበሪ ገዛ ብምድርማሱ ሰለስተ ኣባላት ስድራ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

ብህንዲ፣ ባንግላድሽን ቻይናን ኣቢሉ ዝውሕዝ ፈለግ 'ብራህማፑትራ' ልዕሊ ዓቐን ብምምልኡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ዝረከባ 1800 ቑሸታት ግዳይ ዕልቕልቕ ኮይነን ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ወቕቲ ሙንሱን ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ኤስያ ዓመታዊ ከቢድ ቅልውላው ይፈጥር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሙንሱን ብዝተፈጠሮ ህቦብላን ምህማም መሬትን 1200 ሰባት ሞይቶም ኢዮም። ናይ ህንዲ ከራላ ድማ ኣብ ክፍለ-ዘመን እቲ ዝኸፍኤ ዕልቕልቕ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት