ትራምፕ ንስምምዕ ኒዩኩሌር ኢራን ዘፍረሰ "ንኦባማ ንከሕርቕ'ዩ" ተባሂሉ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ Image copyright AFP

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም ምስ ኢራን በጺሓቶ ንዝነበረት ስምምዕ ኒዩኩሌር ዘፍረሰ፡ ንባራክ ኦባማ ንምሕራቕ ሓሲቡ ከም ዝኾነ፡ መልእኽቲ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣሜሪካ ነበር ኣቃሊዑ።

ካብ ኣምባሳደር ሰር ኪም ዳሮች ሞሊቝ ዝወጽአ መልእኽቲ፡ "ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ነቶም ብባራክ ኦባማ ተበጺሖም ዝነበሩ ዲፕሎማሲያዊ ስምምዓት ኣብ ምፍራስ ዘትኮረ ውሳነ'ዩ" ክብሉ ምንቃፎም ከም ዘመልክት ዴይሊ መይል ጸብጺቡ።

ትራምፕ "ውልቃዊ ብዝኾኑ ምኽንያታት ነቲ ስምምዕ ዕሽሽ ኢልዎ፤ ምኽንያቱ ቅድሚኡ ብዝነበረ ፕረዚደንት ዝተበጽሑ ስምምዓት እዮም" ክብል እቲ ኣምባሳደር ነበር ጽሒፉ።

ጋዜጣ ከም ዴይሊ መይል ከም ዘመልክቶ፡ እቲ መልእኽቲ ዝተጻሕፈ፡ ሽዑ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ [ዓባይ ብሪጣንያ] ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣሜሪካ ነቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንኸይተፍርስ ንምምሕዳር ትራምፕ ሕቶ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን'ዩ።

ስምምዕ ኣሜሪካን ኢራንን፡ ኢራን ዩራንየም ንምምዕባል እትገብሮ ምንቅስቓሳት ንኽትግድብ ዘገድድ'ዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሮም ዝጸንሑ እገዳታት ንኽለዓሉ፣ ንዓለማዊ ምንቅስቓስ ምምዕባል ኒዩኩሌር ናይ ዘጽንዕ ጉጅለ ኣባላት ኣብ ልዕሊ ኢራን ክትትል ንኽገብሩ ዝፈቅድ'ዩ።

ኣምባሳደር ኪም ዳሮች ንምምሕዳር ትራምፕ 'ዝደኸመ፣ ብነብሱ ዘይተኣማመንን ብቕዓት ዘይብሉን' ክብል ቅድሚ መዓልታት ነቒፉ ምንባሩ ዴይሊ መይል ጸብጺቡ ነይሩ።

ካብቲ ኣምባሳደር ልሒኾም ኣብ ዝወጽኡ ኢመይላት፡ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ 'ዝፈረሰ' ን 'ዝተኸፋፈለን' ክብሉ ይገልጹ።

Image copyright AFP/PA Media
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝደንት ትራምፕን ሰር ኪም ዳሮችን

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ኢመይላት ልሒዀም ከም ዝወጽኡ ኣረጋጊጹ'ሎ። "ከቢድ ጸገም ፈጢሮም" ክብል ድማ ገሊጹ።

ሰር ኪም ዳሮች ምስ መንግስቶም ዝተጸሓሓፍዎም ኢመይላት ምስ ወጽኡ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ናይ ኣምባሳደርነት መዝነቶም ለቒቖም'ዩም።

ትራምፕ ነቲ ኣምባሳደር ነበር "ብጣዕሚ ሰነፍ ሰብ" ክብል ብምግላጹ፡ ማዕኸናት ዜና ዓለም ዛዕባ ገይረንኦ ቀንየን።

ተወሳኺ ዛንታ