ደቡብ አፍሪቃ ኣብ ኬፕታውን ብጉጅለ ዝፍጸም ገበናት ንምክልኻል ሰራዊት ኣዋፊራ

ኣባላት ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከተማ ኬፕታውን እናወሰኸ ዝመጽአ ብጉጅለ ዝፍጸም ስርቂ [ተግባር ወረበላታት] ካልኦት ገበናትን ንምቁጽጻር ሰራዊት ምክልኻል ኣዋፊሩ።

እቲ ሰራዊት ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ኣብ ምቁጽጻር ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን (ሓሺሽ) ከም ዝሰርሕ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳምን ሰንበትን ጥራሕ ኣብ ከተማ ኬፕታውን 13 ሰባት ብወረበላታት ተቐቲሎም።

ኣብታ ከተማ ብዝተወደቡ ጉጅለታት ዝፍጸሙ ገበናት ካብ ቅድሚ 10 ዓመታት ጀሚሩ እናወሰኹ ምምጽኦም ይዝረብ።

ኣብዚ ቕነ ድማ እቶም ገበናት ወሲኾም ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሞንጎ'ቶም ጉጅለታት ንዝተፈጥረ ግጭት ብዝውሰድ ዓጸፋዊ ግብረመልሲ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይታ ከተማ ከም ዝተዋፈሩ ተፈሊጡ'ሎ።

ሚንስትር ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሄኪ ኬሊ "መንግስቲ ናብ ከምዚ ዝበለ 'ዘይተለመደ' ውሳነ ክበጽሕ ዝተገደደ ድሕነት ህዝቢ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ስለዘለዎ'ዩ" ኢሉ።

"ገዛ ንገዛ ንዘውር ኢና። ዘይሕጋውያን ኣጽዋር ድማ እናኣከብና ንርከብ። ብገበን ዝጥርጠሩ'ውን ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኬፕ ታውን ድኽነትን ስእነት ስራሕን ጎሊሑ ብዝረኣየለንን ወሮበላታት ብበዝሒ ብዝነብሩለንን መንደራት ዝተኸበበት ከተማ'ያ

እቶም ኣብታ ከተማ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ካብ ፖሊስ መምርሒ ከም ዝቕበሉ እቲ ሚንስተር ኣረዲኡ።

እቲ ሰራዊት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሓላፍነት ሒዙ ኣብታ ከተማ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ከፈጽም'ዩ። እቲ ዝጸንሓሉ ግዜ ከም ኣድላይነቱ ክናዋሕ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ሞንጎ ነበርቲ ዘሎ ኣፈላላይ ደረጃ መነብብሮ እናዓበየ ምምጽኡ ኣብታ ከተማ ዝፍጸሙ ገበናት ንኸውስኹ ከም ዝገበሩ ይግለጽ።

ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ነበርቲ ዝሓዘት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ከተማ፡ ኣብ ብኣዝዩ ብኽቡር ዋጋ ዝተሃንጹ ገዛውቲ ዝነብሩን፤ ብኣንጻሩ ከኣ ዕለታዊ መግቢ ንምርካብ ዝጽገሙ ዜጋታት ዝነብሩላ'ያ።

ስራሕ ዘይብሎምን ድኻታትን መናእሰይ ነቶም ጉጅለታት ስርቂ [ወረበላታት] ከም ገንዘብ መርከቢ ኣማራጺ ይወስድዎም።

ተወሳኺ ዛንታ