ኣብ ባህርዳር ብዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ባህር ዳር

ኣብ ከተማ ባህርዳር፡ ፍሉይ ስሙ 'ኣባይ ማዶ' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ትማሊ ሰንበት ብዝተኸፈተ ተኹሲ ልውውጥ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።

እቲ ተኹሲ ኣብ ሞንጎ ሓደ ብፖሊስ ዝድለ ዝነበረ ውልቀ-ሰብን ሚሊሻታትን ዝተኸፈተ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ፖሊስ ከተማ ባህርዳር ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ምስ ሚሊሻታትን ዝተታኾሰ ውልቀ-ሰብ ብኻልእ ገበን ቅትለት ተጠርጢሩ ክህደን ዝጸንሐ'ዩ።

ተጠርጣሪ ኣብ ቀይዲ ከውዕልዎ ይከታተልዎ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ናይቲ ከባቢ ሚሊሻታት ተኹሲ ብምኽፋቱ'ዩ እቲ ሓደጋ ሞት ኣጋጢሙ።

"ሸፊቱ" ምንባሩ ዝዝረበሉ ጥርጡር ክከታተሉ ዝጸንሑ ክልተ ኣባላት ሚሊሻ፡ ሰንበት ቀትሪ ኣብቲ ንሱ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ገዛ ምስ ከዱ ብዝተተኲስዎም ጥይት ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ተጠርጣሪ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣባላት ጸጥታ'ውን ከም ዝተኮሰ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ክልቲኦም ሚሊሻታት ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ልውውጥ ተኹሲ ክሞቱ እንከለዉ፡ እቲ ዝህደን ዝነበረ ውልቀሰብ ግን ቆሲሉ ናብ ሆስፒታል ምስተወሰደ'ዩ ህይወቱ ሓሊፋ።

ቅድሚ ሰሙናት ተፈቲኑ ኣብ ዝተበሃለ ዕልዋ መንግስቲ ብዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ስንባደ ዝርከቡ ነበርቲ ከተማ ባህርዳር፡ በቲ ናይ ሰንበት ተኹሲ ናብ ከቢድ ስግኣት ኣትዮም ነይሮም።

ብዛዕባ እቲ ክስተት ካብ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኮነ ፖሊስ ናይታ ከተማ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ክሰምረልና ኣይከኣለን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት