ህንዲ ናብ ወርሒ ክትውንጭፋ ዝሓሰበታ መንኰርኮር ኣቋሪጻታ

ሰተላይት ህንዲ Image copyright EPA

ህንዲ ንወርሒ ክትውንጭፋ ዘዳለወታ ካልኣይቲ መንኰርኮራ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዘቋረጸቶ ተገሊጹ።

ትካል መደበር ጠፈር ህንዲ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ እታ መንኮርኮር ንክትበርር ደቃይቅ ተሪፍዋ እንከሎ'ዩ ነቲ ቴክኒካዊ ጸገማት ክዕዝብዎ ክኢሎም።

እታ መንኮርኮር ካብ ምብራቃዊ ገማግም ህንዲ ኣብ ዝርከብ መደበር ሃዋ ክትበርር ነይሩዋ።

ሓድሽ ናይ በረራ መዓልቲ ከም ዝሕዙ'ውን ተፈሊጡ።

እዛ 150 ሚልዮን ዶላር ዝወደኣት መንኰርኮር ህንዲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ናይ ወርሒ ክትዓልብ ትጽቢት ይግበረላ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ዘትክኽ ሓርማዝ ኣብ ሃገረ ህንዲ

ኣብ ምንዳይ ማይ፡ ማዕድናት ከምኡ'ውን ኣብ ምዕቃን ምንቕጥቃት ወርሒ ዝምልከት መረዳእታ ኣብ ምእካብ ከምእትነጥፍ'ያ።

ህንዲ እንተደኣ ነዛ መንኮርኮራ ብዓወት ክተዕልባ ክኢላ፡ ካብተን ኣብ ዓለምና መንኰርኮረን ብዓወት ዘዕለባ ሃገራት ራብዓይቲ ኮይና ክትስራዕ እያ።

ኣብ ወርሒ ብዓወት መንኰርኮረን ከዕልባ ዝኸኣላ ሃገራት ኣሜርካ፤ ቻይና፤ ሕብረት ሶቨየትን እየን።

ሓንቲ መንኰርኮር ካብ መሬት ተበጊሳ 384,000 ኪ.ሜተር ድሕሪ ምጒዝ ኣብ ወርሒ ድሕሪ 54 መዓልቲ ትዓልብ።