ሲዳማ ክልል ንክትኸውን ዝቐረበ ሕቶ 'መልሲ ረኺቡ' ብዝብል ነበርቲ ሃዋሳ ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ

መንእሰይ ሲዳማ

ሲዳማ ርእሳ ዝኸኣለት ክልል ንክትኸውን ዘቐረበ ሕቶ 'እወታዊ መልሲ ረኺቡ' ብዝብል ነበርቲ ሃዋሳ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሓጎሶም ክገልጹ ጀሚሮም።

ካብ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነቲ ክልል ዘመሓድር ደኢህዴን (ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ) ሲዳማ ከም ክልል ንኽትቐውም 'ደገፉ ገሊጹ' ብዝል ተወለድቲ ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ምንቅስቓስ ንዝሓለፉ ትሸዓተ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣኼብኡ የካይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ንሕቶ ሲዳማ ካብ ሞንጎ ኣጀንዳታቱ ከም ዝገብር ይእመን።

ነበርቲ ዞባ ሲዳማ ትማሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብምርኻብ እታ ሓዳሽ ክልል ኣብ እትጣየሸሉ ኩነታት ዘትዮም'ዮም።

እታ ዞባ ናብ ክልል ናይ ምስግጋር ሕቶ ዘቕረበትላ ዕለት 11 ሓምለ 2010 ኣ.ኢ መሰረት ብምግባር፡ 'ኣብታ ዕለት ክልል ምዃንና'ዶ ንኣውጅ'ዶ ነቲ ውሳነ እንተደናጎናዮ ይሓይሽ?' ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተ ከም ዝተኻየደ ሓደ ተሳታፊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር ኣብ ሓደ መደምደምታ ብዛዕባ ምብጽሖም ዝተፈለጠ ነገር የለን።

እቲ ሕቶ ካብ ዝቐርብ ዓመት መሊእዎ እናሃለወ ክሳብ ሕዚ መልሲ ክወሃብ ዘይምኽኣሉ፡ እቲ ሕዚ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ናብ ጎንጺ ከየምርሕ ስግኣት ተፈጢሩ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት