ፌስቡክ ዘላለዮ ዲጂታል ገንዘብ ዕንቅፋት የጋጥሞ

ሊብራ

ፈይስቡክ ከውጽኦ መዲብዎ ዘሎ ዲጂታላዊ ገንዘብ ዕንቅፋታት የጋጥሞ'ሎ።

ትማሊ ሰኑይ ናይ ኣመሪካ ክፍሊ ምምሕዳር ገንዘብ ስቲቭ ማንቺን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዲጂታላዊ ገንዘብ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ገንዘብን፡ ንገብረሸበራ ዝምውሉ ሰባትን ክጥቅምዎ ይኽእሉ እዮም ድሕሪ ምባል፡ እዚ ከኣ ንውሕስነት ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክብል ነቲ ዲጂታላዊ ገንዘብ ነቒፍዎ።

እዚ ብፈይስቡክ ክውጽእ ተመዲቡ ዘሎ ዲጂታላዊ ገንዘብ፡ ብፕረዚደንት ትራምፕን ምምሕዳር ባንክ ኣመሪካን'ውን ወቐሳታት ቀሪብዎ እዩ።

ሓለፍቲ ፈይስቡክ ብዛዕባ እዚ ዲጂታላዊ ገንዘብ ዝያዳ መብርሂ ንኽህቡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣመሪካ ክቀርቡ እዮም።

እዚ 'ብሊብራ' ተባሂሉ ዝተሰመየ ዲጂታላዊ ገንዘብ፡ ክሳብ ንዕኡ ዝቕይዱ መምርሒታት ዝወጽእ ናብ ዕዳጋ ከም ዘይኣቱ ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ደቪድ ማርከረ ንባይቶ ኣመሪካ ክነግር ትጽቢት ይግበር።

ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ትራምፕ ደጋፊ ዲጂታላዊ ገንዘብ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፡ ፈይስቡክ ነቲ ዲጂታላዊ ገንዘብ ኣብ ተግበር ከውዕሎ ፍቕድ ከድልዮ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ እዩ።

ሊብራ

ፌስቡክ ካብ መእተዊ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ጀሚሩ፡ ከባቢ 2 ቢልዮን ዓማዊሉ ዋትሳፕ፣ ኢንስታግራንም ፌስቡክን ተጠቒሞም ገንዘብ ከንቀሳቕሱን ዕድጊት ክፍጽሙን ዘኽእል ኣማራጺ ከቕርብ ይሰርሕ ኣሎ።

ሊብራ ብዝብል ዝጽዋዕ ክሪፕቶ-ከረንሲ [ዲጂታላዊ ሜላ ምንቅስቓስ ገንዘብ] ንኣስታት 139 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን'ውን ተረባሕቲ ዝገብር'ዩ።

ክሪይፕቶ-ከረንሲእንታይ'ዩ?

መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ 'ንክሪፕቶ-ከርንሲ'፡ ንድሕነት ዝውውር ገንዘብ ዘውሕስ፣ ተወሰኽቲ ኣሃዛት ከይፍጠሩ ዝቆጻጸርን ገንዘብ ከም ዝተሰጋገረ (ዝተመሓላለፈ) ዘረጋግጽን ዲጂታላዊ ገንዘብ ክብል ይገልጾ።

ቢትኮይን'ከ?

ብሓጺርን ቅልል ዝበለን ኣገላልጽ፤ ዲጂታል+ገንዘብ+መተዓዳደጊ ብዝብል ምግላጽ ይከኣል። እዚ ኣማራጺ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንንቀሳቐስ ዓይነት ቅርሺ (ሳንቲምን ናይ ወረቐት ገንዘብን) ዘይኮነስ፡ 'ኦንላይን' ኢንተርኔት ዝጥቀም ዲጂታላዊ ገንዘብ እዩ።

ሊብራ ብቪዛ፣ ማስተርካርድ፣ ኡበርን ታክሲፋይን [ኣገልግሎት ታክሲ ዝህቡ ትካላት] ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ።

ምቁራጽ ኢንተርኔት ኣብ ዝህሉ ግን እቲ ብፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ካልኦት መተግበሪታት (ኣፕሊኬሽናት) ዝፍጸም ዝውውር ገንዘብ ሽዑ'ዩ ዝቋረጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት