ኣብራሃም ክፍሎም፡ ''ኣብ መዓልቲ 300 ኤርትራውያን ንምግብ ነይርና''

ኣብራሃም ክፍሎም ወናኒ ፋራመንታ ኣብ ሚላን

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ፤ ህወይቱ ንክመርሕርን ንከመሓይሽን፡ ንዓመታት ትምህርትን ስራሕ ልምድን ዝቀሰመላ ከተማ፡ ሃንደበት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ወጥርን ኲናትን፤ ብዘይ ወዓሎ ገበን ተኣሲሩ።

ድሕሪ ናይ ሓጺር ማእሰርቲ ድማ ብሓገዝ ስደራ ቤቱን ፈተወቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጻእ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሚላኖ ተሰዲዱ።

ኣብ ከተማ ሚላኖ ድሕሪ ነዊሕ ከርተተን ድኻም ዝመልኦ ስራሕን፡ ፋራሜንታ (ናውቲ ዕዮ ቤት) ዝሽየጠሉ ድኳን ከፊቱ ናብርኡ ይመርሕ ኣሎ።

ኣብራሃም ኣብ ምሻጥ ኣቑሑት ኣባይቲ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ዝተበላሸወ ቦምባታት ማይ፣ ማዓጹ፣ መፋትሕ፣ ምልካይ ቀለም ዝኣመሰሉ ናእሽቱ ናይ ምትዕርራይ ንጥፈታት እውን የካይድ እዩ።

ኣስታት 95 ሚኢታዊት ዓማዊሉ ጥልያን ክኾኑ እንከለው፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም እውን ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ይመጽኡዎ እዮም። ነዚኦም ከኣ፡ "ፍቕርን ጸጋን ይዓቢ!" ብምባል ብኹለመዳይ ከም ዝተሓባበሮም ይዛረብ።

ኣብራሃም ኣብ ኢትዮጵያ ነጋዳይ ስለ ዝነበረ፡ ስራሕ ፋራሜንታ ከኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልሙድ ናይ ንግዲ ስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ብዝያዳ ክሰርሓሉን ክጽዕረሉን ተተባቢዑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኹሉ ብድሆታት ሰጊሩ ድማ፡ ስርሑን ህይወቱን ይመርሕ ኣሎ።

ኣብ ርእስ እዚ፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ነጋዶ፡ ኣብ ከባቢ ኣብ ፖርታ ቨነስያ ኣብ ኣብያተ መስተን መግብን ተዋፊሮም ስለ ዝረኣየ፡ ካብ ናታቶም ፍልይ ዝበለ ንምግባር ነቲ ስራሕ ብድፍረት ከም ዝጀመሮ ይገልጽ።

"ደቂ ዓድና፡ ብሙልኦም ባር፤ ቤት ብልዒ ከፊቶም ምስ ረኣኹ፡ ኣነ ካልእ ስራሕ ክፍትን ሓሲበ። እዚ ዝኣተኹዎ ንግዲ ብደቂ ዓድና ዘይተለምደ ብምንባሩ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉኒ እዩ" ይብል።

ቅድሚኡ ምስ ጥልያን ይሰርሕ ምንባሩን፡ ጠላይን ከኣ ንዕኡ 10 ሚእታዊት ከፊሎም እቲ 90 ሚኢታዊት ንርእሶም ይወስድዎ ምንባሮም ይዛረብ።

''ዱኳን ፋራመንታ ኣብ 2000 ዓ/ም ጀሚረዮ። ዝኾነ ዓይነት ፍልጠት ኣይነበረንን፤ ተመኩሮ ናይ ቢዝነስ ስራሕ ግን ነይሩኒ። ኣብ ቢዝነስ ከኣ ብጣዕሚ ደፋር እየ። ክመጽእ ከለኹ፡ ምንም ኣይነበረንን። ቀስ ብቐስ ግን ኣብዚ ደረጃ በጺሐ" በሃላይ'ዩ።

ብዙሓት ካልኦት መነባብሮ ሚላኖ ከቢድ እዩ ክብሉ እንከለው፡ ኣብርሃም ግን "ብዕላማ ስለ ዝመጻእኩ መነባብሮ ሚላኖ ኣዝዩ ጥዑም'ዩ" ይብል።

"እቲ ጥዑም ዝገብሮ ኣብ ዕላማይ ብትብዓት ስለ ዝሰርሕ'ዩ" ብምባል ዝጸዓረ ከም ዝዕወት የብርህ።

ካብ ገዝኡ ዝወጽእ ሰብ ኣብ ጉዕዞኡን መዓልቦኡን ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ከም ዘጋጥሞ ዝገለጸ ኣብርሃም፡ ተማሂረ ድየ ሰሪሐ ህይወተይ ክቕይር ኣሎኒ ንዝበለ ግን ፈጣሪ እውን ከም ዝሕግዞ ይዛረብ።

ዘጋጠሞ ሽግራት

ኣብ ዝኾነ ዓዲ ተሰዲድካ ናብ ካልእ ዓዲ ክትነብር ክትፈትን እንከለካ ባህልን ቋንቋን እቲ ዓዲ ክትማሃርን ክትለማመድን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብራሃም'ውን ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስ ኣተወ፡ ኣብ ስርሓት ንግዲ ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋን ካልእን ብዙሕ ከም ዝተሸገረ እዩ ዝሕብር።

ኣብ መጀመርያ ከኣ መነባብሮ ህይወቱ'ውን ብሰንኪ እዚ ሕጽረታት፡ ከምቲ ዝድለ ንቅድሚት ክሰጉም ኣይከኣለን ነይሩ።

"እተን ቀዳሞት 5-6 ዓመታት ብጣዕሚ ከቢደናኒ ነይረን። ግን ከኣ፡ ኣብዚ ከባቢና ንዝነብሩ ኣረግቶት ጣላይን ልክዕ ከም ስድራና ኣኽቢርና ንተሓባበሮምን ንለኣኾምን እሞ ንሳቶም ብተግባርና ፈትዮሙና፤ ቋንቋ'ውን ተላሚድና። በዚ እሙናት ዓማዊልና ኮይኖም፡ ጽቡቕ ተግባርና ከኣ ዘርጊሖሙዎ" ይብል ሕሉፉ ብምዝካር።

ፖርታ ቨነስያ

ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ብዘጋጠሞም ጸቕጥን ዓፈናን ደረት ኣልቦ ዕስክርናን፡ ብሰሃራን ባሕርን ተሳጊሮም ዓሰርተታት ኬላታት ሞት ሓሊፎም ንስደት ዘምርሑሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

ኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ሓሊፎም ኢጣልያ ምስ ኣተው፡ እግሮም ዘዕልቡላን ደሃይ ደቂ ዓዶም ዝሓቱላን ከተማ ሚላኖ ከባቢ ፖርተ ቨነስያ እያ።

ኣብ ፖርተ ቨነስያ ብዙሓት ብኤርትራውያን ዝውነና ትካላት ኣለዋ።

ኣብ 2014 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ንቑጽ ምድሪ ኢጣልያ ምስ ኣተው፡ "ኣብ ሚላኖ ፖርታ ቨንስያ ኣሕዋትና ኣለው" ብምባል ክንደይ ማይላት ተጓዒዞም ብምምጻእ ኣብቲ ጎደናታት ይውዕሉን ኣብ ግዳም ይሓድሩን ነይሮም።

"ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዙሓት ኣሕዋትና ሓገዝና ደልዮም ኣብ ጽርግያታት ክሓድሩ ክንርኢ ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። ክሳብ ናብ መዓልቦኦም ዝበጽሑ ከኣ ንኣስታት 600 ዝኾኑ ሰባት በብዓቕምና ሓጊዝናዮም። እንተውሓደ ኣብ ገዛና መግቢ እናሰራሕና ነምስሖምን ነድርሮምን ነይርና።

....ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ነቲ ሕማቕ ኩነታት ብምርኣይ ኣኣብ ገዝኦም መግቢ ሰሪሖም ብምምጻእ፡ ገሊኦም ተሓቢኦም ገሊኦም ብቓልዕ ይተሓጋገዙ ነይሮም" ብምባል ነቶም እጆሞም ዘበርከቱ ኣድናቖቱ ይገልጽ።

ኣብ ርእሲ እቲ መንግስቲ ጥልያንን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገብሩሎም ሓገዛት፡ ኣዋጺኦም መድሃኒት ከይተረፈ ይገዝኡሎምን ግዝያዊ ፍታሕ ይገብሩሎምን ምንባሮም ይሕብር።

ኣብርሃም፡ ኣብ እዋን ጸባባ፡ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ፈረንሳውያን ኣሕዋት፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 60 ንዝኾኑ ሰባት ኣብ መንበሪ ገዘኣን እናወሰዳ፡ ነብሶም ከም ዝሕጸቡ ብምግባር ሸግሮም ከም ዝተኻፈላ ይምስክር።

ፈረንሳውያን፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ገበርቲ ሰናይ ልዑል ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ዝሓበረ ኣብርሃም፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝተጸገመ ወዲ ሃገሩ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ከም ዝተሓባበር ተዛሪቡ።

'ካብዚ ኩሉ ናይ ስደት ጸበባን ሽግርን ተገላጊለ፡ ኤርትራ ሰላም ኮይኑ ናብ ዓደይ ተመሊሰ፡ ኣብዚ ዝረኸብኹዎ ተሞኩሮ ስራሕ ብሰፊሑ ክሰርሓሉ እምነ' ድማ ይብል።

ተወሳኺ ዛንታ