ኣውስትራልያ፡ ኣርባዕተ ቆልዑ መኪና ስድርኦም ኣልዒሎም 900 ኪሜ ከይዶም ተረኺቦም

እታ ቆልዑ ዝሰረቑዋ መኪና Image copyright QUEENSLAND POLICE
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዞባታት ኲንስላንድን ኒው ሳውዝ ዌልስን፡ መምርሒ ፍቓድ ንምርካብ ካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ክትከውን ኣለካ

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣርባዕተ ቆልዑ፡ መግፈፊ ዓሳን ገንዘብን ብምጥርናፍ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ 4x4 ናይ በረኻ መኪና ሒዞም 900 ኪሜ ከም ዝተጓዕዙ ፓሊስ ተዛሪቦም።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 10-14 ዝርከቡ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ዞባ ኒው ሳውዝ ዌልስ እትርከብ ግራፍተን እትበሃል ከተማ'ዮም ብደሓን ተረኺቦም።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት'ዮም ግሬስሚር ካብ እትበሃል ኣብ ዞባ ኲንስላንድ እትርከብ ከተማ ነቒሎም።

ሓደ ካብቶም ኣወዳት፡ ንቤተሰቡ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝገልጽ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ገዲፍሎም።

ፓሊስ፡ ኣብቶም ቆልዑ ክሲ ክምስረት መደብ ከም ዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ ብምንታይ ከም ዝኸሶም ግን ብንጹር ኣይሓበረን።

እቶም ቆልዑ፡ ካብ ሓደ ስድራ ኣይኮኑን። እታ ዝሰረቕዋ መኪና ድማ ካብ ስድራ ናይ ሓደ ካብኣቶም'ያ።

ሰንበት ንጉሆ፡ ኣስታት 140 ኪሜ ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ በናና እትባሃል ከተማ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ነዳዲ ብምግላስ ዘድልዮም ነዳዲ ሰሪቖም።

ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ እንዳ ነዳዲ፡ ንደይሊ ቴለግራፍ ዝተባህለ ናይታ ሃገር ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ጸጥታ ቪድዮ ናይቲ ትካል ከም ዘርእዮ፡ እታ መኪና ከምቲ ልሙድ ናብቲ እንዳ ነዳዲ ድሕሪ ምእታዋ፡ ሓደ ሰብ ነዳዲ ክመልእ ወሪዱ ኢሉ።

"ኣዝዩ ሓጺር'ዩ። ራኣዮ'ንዶ፡ ማዕረ'ቲ መስኮት'ውን ኣይበጽሕን'ዩ" ክብል እቲ ሰራሕተኛ ገሊጹ።

ድሕሪ'ዚ፡ ፓሊስ ነታ መኪና ኣብ ሓንቲ ግለን ኢነስ እትበሃል ጥቓ ከተማ ገራፍተን እትርከብ ንእሽቶይ ከተማ ምስ ራኣዩዋ፡ ክስዕብዋ ጀሚሮም።

ይኹን እምበር፡ ጸኒሐም፡ ቆልዑ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ሓደጋ ከይኣትዉ ደድሕሪኦም ካብ ምስዓብ ኣቋሪጾም።

ጸኒሓ ድማ እታ መኪና ኣብ ከተማ ግራፍተን፡ ኣብ ደረት ጽርግያ ደው ኢላ ተራእያ ክብል ኣባል ፓሊስ ኢንስፐክተር ዳረን ዊልያምስ ተዛሪቡ።

"እቶም ቆልዑ ማዕጾ ሸጊጦም ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም። ኣብ ቀይዲ ንምእታዎም፡ ፓሊስ ብበትሮም ሴሮም ክኣትዉ ተገዲዶም" ክብል ከም ንኮርፐረሽን ብሮድካስቲንግ ኣውስትራልያ ሓቢሩ።

እናተበራረዩ ዘዊሮማ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ድማ ግምቱ ሂቡ። ካብ መበገሲኦም ከተማ ግሬስሚር ክሳብ ግራፍተን ናይ 10 ሰዓታት ጉዕዞ'ዩ።

"ኣዝዩ ዓቢ ጉዕዞ'ዩ፡ ንቆልዓ እሞ ኸኣ ነዊሕ'ዩ" ኢሉ።

ስድሮኦም ኣብ ዝተረኽብሉ ክሕተቱ ምዃኖም ፓሊስ ገሊጾም።

ኣብ ዞባታት ኲንስላንድን ኒው ሳውዝ ዌልስን፡ መምርሒ ፍቓድ ንምርካብ ካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ክትከውን ኣለካ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት